ካብ ዓወታት ሓሙሽተ ዓመታት ክሳብ ትኹረታት 2019 ዓ.ም.፦ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ዘስምዕዎ መደረ እንታይ ነይሩ?

መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ ክካየድ እዩ።

ቀንዲ መበገሲ እቲ ናይ ሎሚ ጉባኤ፣ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ብዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዘቕረብዎ ዓመታዊ ትልሚ መንግስቲ እዩ።

ፕሬዝዳንት ታዬ ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ መደረኦም፣ መሰረት ስልጣን ኣባላት ቤት ምኽሪ ድምፂ ህዝቢ ምዃኑ ብምዝኽኻር፤ ሰናይ ምምሕዳር ምዝማን፣ ወሰኽ ዋጋ መነባብሮ ምዕጋት፣ ትምህርትን ጥዕናን ምስፍሕፋሕ ከምኡ እውን ሰላምን ድሕንነትን ምፅናዕ ቀዳማይ ትኹረቶም ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ማዕድን፣ ቱሪዝምን ዲጂታል መሰረተ ልምዓትን ዘተባብዑ ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዝዳንት ብፍላይ ዓመታዊ ምህርቲ ዘራእቲ 2018 ዓ.ም. 1.3 ቢሊዮን ኩንታል ምብፅሑ፣ ሰደድ ንግዲ  11.2 ቢሊዮን ዶላርን ቀጥታ ወፃኢ ኢንቨስትመንት 4.5 ቢሊዮን ዶላርን ከምዘመዝገቡ፣ ወሰኽ ዋጋ እውን ናብ 13.4 ሚኢታዊ ምውራዱ ከምኡ እውን ውፅኢታት ሓምለዋይ ኣሰርን ልምዓት ኮሪደርን ብዋናነት ጠቒሶም።

ንዘበነ ስራሕ 2019 ዓ.ም. ሰላም ምፅናዕ፣ ኣብ ፅሬት ዝተመስረተ መዋቕራዊ ስግግር ምምፃእ፣ ፅሬት ትምህርትን ጥዕናን ምዕባይ፣ ዓቕሚ እታወታት ሕርሻን ኢንዱስትርን ምጉልባት፣ ምምሕዳር ታክስን ዕዳን ምምሕያሽ፣ ምትእስሳር ፌዴራልን ክልላትን ምጥንኻር ከምኡ እውን ፅልዋ ፈጣሪ ዝኾነ ርክብ ወፃኢ ምህናፅ ቀንዲ ትኹረታት ምዃኖም ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዙይ ድማ ዕብየት ኢኮኖሚ 10.1 ሚኢታዊ ምብፃሕ፣ ወሰኽ ዋጋ ናብ ነፀላ ኣሃዝ ምውራድ፣ ኣታዊ ታክሲ ካብ ሓፈሻዊ እቶት ውሽጢ ሃገር (GDP) 9.62 ሚኢታዊ ምግባር፣ ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ 65 ሚኢታዊ፣ ሽፋን መድሕን ጥዕና 85 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ምገባ ተምሃሮ 70 ሚኢታዊ ምብፃሕ ቁልፊ ሸቶታት እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምድላዋት ኮፕ 32 (COP 32) ምዕዋት፣ ልዕሊ 1.6 ሚሊዮን በፃሕቲ ዓዲ ምስሓብ፣ ምኽረ ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ናብ ተግባር ምእታው ከምኡ እውን ብሰላማውን ብሓባራዊ ረብሓን ዘተኣማምን ኣፍደገ ባሕሪ ጋህዲ ምግባር ብትኹረት ከምዝስርሐሎም ኣመላኺቶም።

ነዞም ሸቶታት ንምዕዋት ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ምፅናዕ፣ ባህሊ ብረትን ጎንፅን ብዝርርብን ብምድምማፅን ምትካእ፣ ግዕዝይና ምቅላስ፣ ዝተረኸቡ ሰናይ ተመኩሮታት ምስፋሕ ከምኡ እውን ዓቕሚ ሓይልታት ምክልኻልን ፀጥታን ምጥንኻር ከምዝግባእ እቶም ፕሬዝዳንት ኣፅንኦት ሂቦም።

ሓላፍነት ሰላምን ልምዓትን ናይ ኩሉ ዜጋ ሓባራዊ ብፅሒት ምዃኑ ብምግላፅ፣ ዘበነ ስራሕ 2019 ዓ.ም. ውፅኢታዊ ክኸውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ትልሚ መንግስቲ 2019 ዓ.ም. መበገሲ ብምግባር ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝልዓሉ ሕቶታትን ርእይቶታትን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልስን መብርህን ክህቡ እዮም።

ነዚ ስዒቡ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ቅዋም መንግስቲ ብምስማዕ ናይ ድጋፍ ሞሽን ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም