ፖላንድ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ቁጠባዊ ተሳትፎን ምሕዝነት ኢንቨስትመንትን ዝያዳ ንምጥንኻር ትሰርሕ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 16/2019 (ኢዜኣ)፦ ፖላንድ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ቁጠባዊ ተሳትፎን ምሕዝነት ኢንቨስትመንትን ዝያዳ ንምጥንኻር ትሰርሕ ከምዘላ ዋና ሓላፊት ሚሲዮን ኤምባሲ ፖላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኢሎና ኮርቹት ገሊፀን።

ኢትዮጵያን ፖላንድን ነዊሕ ዘመን ዝፀንሐ ምሕዝት ዘለወን ሃገራት እንትኾና፣ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዝጀመረ ካብ 1930ታት ኣትሒዙ እዩ።

ዋና ሓላፊት ሚሲዮን ኤምባሲ ፖላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኢሎና ኮርቹት ከምዝገለፃኦ፤ ሃገረን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ቁጠባዊ ርክብ ዝያዳ ንምጥንኻር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልተኣዊ ፖለቲካዊ ምኽክራትን ሓባራዊ ምትሕብባርን ምክያደን ብምጥቃስ፣ እዙይ ድማ ንሓባራዊ ፕሮጀክትታት ከም መሪሕ ኮይኑ ከምዘገልግል ገሊፀን።

ኣብ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር፣ ዞባውን ዓለምለኻውን  ዘሎ ሓባራዊ መርገፂ ንምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ዋና መሰረት ምዃኑ ጠቒሰን።

ኢትዮጵያ ብመንፅር ቁጠባዊ ልምዓትን ስራሕቲ ሪፎርምን ተካይዶ ዘላ ምንቅስቓስ ፖላንድ ብቐረባ ትከታተሎ ከምዝፀንሐት ኣፍሊጠን።

እዙይ  ድማ ደንብታት ኣሰራርሓ ምምሕያሽን ሰብ ሃፍቲ ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ንክሰርሑ ምቹው ኩነታት ምፍጣሩን ብምንኣድ፣ ፖላንድ እውን ኣብዚ ከይዲ እዚ ናይ ባዕላ ኣበርክቶ ንምግባርን ዝተፈጥረ ምቹው ዕድል ኢንቨስትመንት  ንምጥቃምን ድሌት ከምዘለዋ ኣመልኪተን።

ፖላንድ ውፅኢታዊ ቁጠባዊ ስግግር ምግባራ ብምጥቃስ፣ንዕዉትነት ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ዝተማልአ ምምሕያሽ ማክሮ-ኢኮኖሚ  ዘለዋ ተመኩሮ ንምክፋል ድሉዋት ምዃነን ኣፍሊጠን።

ኢትዮጵያ ክጎብነዩ ዝግብኦም ብርክት ዝበሉ ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን ቦታታት ስለዘለውዋ ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይ ሰፊሕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ኣመልኪተን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም