ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ሓሙስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝርኸቡሉ ስሩዕ ኣኼባኡ ከሳልጥ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/16/ 2019 /ኢዜኣ/ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ፅባሕ  ሓሙስ ከካይድ እዩ።

ኣብ እዋን እቲ ስርዑ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ አምባሳደር ታዬ አጽቀሥላሴ ኣብ ወርሒ መስከረም 26 / 2019 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኸሪ ፌዴሬሽንን ዘቐረብዎ መበገሲ ትልሚ መንግስቲ 2019 ዓ.ም መበገሲ ብምግባር ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝልዓሉ ሕቶታትን ርእይቶታትን 
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፤መልሲን መብርሂን 
፤ከምዝህቡ ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

እቲ ባይቶ 17 ሕዳር 2019 ዓ.ም ካብ ሰዓት 2፡30 ንግሆ ጀሚሩ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ፤ ቅዋም መንግስቲ ድሕሪ ምስማዕ ናይ ድጋፍ ሞሽን ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር።

ፅባሕ ኣብ ዝጅመር ስሩዕ ኣኼባ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ፍሉጣት ሰባት፣ መራሕቲ ተናሓናሕቲ ፓርቲታትን ካልኦት ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ብኽብሪ ክሳተፉ እዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም