ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ቆራፅ እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ቆራፅ እያ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 16/2019 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር፣ ዲፕሎማስን መትከል ሓባራዊ ተረባሕነትን ተመስሪታ ብትግሃት ትሰርሕ ከምዘላ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ኣዳም ተስፋዬ ገሊጾም።
ሓምሻይ መድረኽ ዘተ ቀርኒ ኣፍሪካ ‘’ዞባውነት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዳግማይ ምድህሳስ፤ ስትራቴጂካዊ ምትእምማን፣ ዞባዊ ዋንነትን ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተ ምድግጋፍን ምህናፅ’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብቲ እዋን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ኣዳም ተስፋዬ ከምዝገለፅዎ፣ ሃገራት እቲ ዞባ ሓባራዊ ድሌታት ሰላምን ልምዓትን ንምግሃድ ስትራቴጂካዊ ምትእምማንን መንፈስ ምትሕብባርን ከጠናኽራ ይግባእ።
እቲ መድረኽ ህፁፃት ጂኦፖለቲካውን ቁጠባውን ጉዳያት እቲ ዞባ ንምድህሳስ ምሁራን፣ ዲፕሎማሰኛታትን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ኣኪቡ ኣሎ።
ቀርኒ ኣፍሪካ ብስትራቴጂካዊ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጥኡ፣ ብቁጠባዊ ዓቕሙ ከምኡ’ውን ብታሪኻውን ማሕበራውን ምትእስሳሩ ልዑል ዕቑር ሃፍቲ ዘለዎ ዞባ ምዃኑ ኣመላኺቶም።
ስግኣታት ፀጥታ ዶብ ሰገርን ባሕሪን ብናይ ሓንቲ ሃገር በይናዊ ፃዕሪ ጥራሕ ክፍትሑ ከምዘይኽእሉ ብምግንዛብ፣ ንዘላቒ ምርግጋዕ ዞባዊ ምትሕብባርን ውህደትን ወሳኒ ግደ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ነዚ መትከል ምትሕብባር ብተግባር ንምርኣይ ኣብ ዶብ ሰገር መሰረተ ልምዓት መጓዓዝያን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ሰፊሕ ኢንቨስትመንት ተካይድ ከምዘላ ጠቒሶም።
ብተወሳኺ ኣብ ማዕቐፋት ኢጋድ (IGAD)፣ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ንጡፍ ዲፕሎማስያዊ ተሳትፎ ትገብር ከምዘላ ኣብሪሆም።
ፀጥታ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ሓፈሻዊ ምርግጋዕ እቲ ዞባ ብፅኑዕ ዝተኣሳሰረን ካብ ሃገራዊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ዘይንፀልን ጉዳይ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕዳር ጉዳያት ባሕሪ እቲ ዞባ ሃናፅን ሓላፍነት ዝተመልኦን ግደ ምፅዋታ ከምእትቕፅል ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ንምርግጋፅ ተካይዶ ፃዕሪ ኣብ ሰላማዊ ዘተ፣ ዲፕሎማሲ፣ ዓለምለኻዊ ሕግን መትከላት ሓባራዊ ተረባሕነትን ዝተመስረተ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
በዞም መትከላት ዝምርሑ ስምምዓት ምትሕብባር ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓባራዊ ብልፅግና ንምምፅእ ቁልፊ ግደ ከምዝፃወቱ ኣመላኺቶም።