ኢትዮጵያ ኩሎም ወገናት ሱዳን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ናብ መድረኽ ዘተ ክመፁ ዕላዊ ፃውዒት ሰላም ተቕርብ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 15/2019 (ኢዜኣ)፦ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ኣብ ሱዳን ንራብዓይ ዓመት ዝቐፀለ ኣዕናዊ ኲናት ደው ንምባልን ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእን ዝዓለመ ንኹሎም ፖለቲካዊ፣ ወታደራውን ሲቪላውን ሓይልታት ሱዳን ዕላዊ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ሱዳናውያን ብናይ ባዕሎም ድሌት ዘላቒ ሰላም ዘምፅእሉ ኩሉ ዝሓቖፈ መድረኽ ዘተ ንምትእንጋድን ንምምችቻውን ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኢትዮጵያ ሱዳናውያን  መፃኢ ዕድሎም ባዕሎም ዝውስንሉ ኩሉ ዝሓቖፈ መድረኽ ዘተ ንምድላውን ንምምራሕን ሙሉእ ድልውነት ከምዘለዋ ገሊፆም።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ዶብ ሰገር ሕውነት፣ ማሕበራውን ባህላውን ምትእስሳር ከምኡ’ውን ኣብ ምስትጋብር ወለዶታት ዝተሰረተ ዓሚቝ ታሪኻዊ ርክብ ከምዘለወን ኣመላኺቶም።

ኢትዮጵያ ንሱዳን ከም ጎረቤት ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሓው ሃገርን ዝተኸበረ ህዝብን ከምእትርእያ ዘልዓሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኣብ ሱዳን ዝበፅሕ ዘሎ ኲናት፣ ዕንወትን ሰብኣዊ ስቓይን ሕልና ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝትንክፍ ቁስሊ ምዃኑ ኣልዒሎም።

ብኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2023 እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፣ ኢትዮጵያ ሓድነት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሱዳን ብዘኽብር መልክዑ ነቲ ግንፂ ደው ንምባል ተኸታታሊ ፃዕርታት ክትገብር ከምዝፀንሐት ኣዘኻኺሮም።

እዚ ፃዕሪ እዚ እውን ብኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን ስግግር ኣብ መንጎ ሲቪላውን ወታደራውን ኣካላት ስምምዕ ንኽግበር ኢትዮጵያ ካብ ዝተፀወተቶ ቀዳማይ ተራ ዝቐፀለ ምዃኑ ኣመላኺቶም።

ኣብዚ ወሳኒ ታሪኻዊ እዋን ነቲ ኲናት ደው ንምባልን ዘላቒ ሰላም ንምምፃእን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘተኣናግዶን ዝድግፎን ኩሉ ዝሓቖፈ ግልፅን መድረኽ ሰላም ወታደራዊ፣ ፖለቲካውን ሲቪላውን ኣካላት ሓዊሱ ኩሎም ወገናት ሱዳን ክሳተፉ ዕላዊ ፃውዒት ምቕራቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጦም።

እዚ ተበግሶ ሰላም  ብሕታዊ ዕላምኡ ንህዝቢ ሱዳን ዘላቒ ሰላም ንኽመፅእ ከምኡ’ውን ንሱዳን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ምዃኑ እውን ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ፍፀም ገለልተኝነታ ሓልያ፣ ሱዳናውያን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ግዳማዊ ፀቕጢ ፍልልያቶም ብምርድዳእ ዝፈትሕሉ ግልፅን ምክብባር ዝሰፈኖን መድረኽ ዘተ ንምምችቻው ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጾም።

እዙይ ድማ ክብሪ ሱዳናውያን ዝሕሉ፣ ሓድነትን ብዙሕነትን እታ ሃገር ዘኽብር ሓድሽ ሃገራዊ ቃል ኪዳን ንምቕራፅ ብሕታዊ መንገዲ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ እቲ ሸቶ ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ዓወት ምጉንፃፍ ዘይኮነስ ምፍሳስ ደም ደው ምባልን ንሱዳናውያን ተዓወትቲ ምግባርን ምዃኑ እዮም ኣብሪሆም።

መፃኢኢ ዕድል ሱዳን ብሱዳናውያን ጥራሕ ዝውሰን ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣብዚ መዳይ  ማሕበረሰብ ዓለም፣ ፈተውቲ ሃገራትን ዞባውያን ትካላትን ስቓይ ግዳያትን ተመዛበልትን ንምቅላል ዝግበሩ ሰብኣዊ ፃዕርታት ከሐይሉ ኢትዮጵያ ትሓትት ኢሎም።

ኢትዮጵያ እውን ንዓወት እዚ ተበግሶ ሰላም  ዲፕሎማስያዊ ዓቕማን ዓለም ለኻዊ ርክባታን ብሙሉእነት ንምጥቃም ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊፆም።

ኢትዮጵያ ሰላም ሱዳን ከም ናይ ባዕላ ድሕንነትን ምርግጋዕን ከምእትርእዮ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ምርግጋዕ ሱዳን ንመላእ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ እምነ ኩርናዕ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

እዚ ፃውዒት ሰላም  ሓቀኛ ጉርብትና ኣብ እዋን ፈተና ከምዝምዘን ዘመላኽት፣ ከምኡ’ውን ናይ ሓባር ምትእስሳር ክልቲኦም ህዝብታት ካብ ግዝያዊ ፍልልያት ንላዕሊ ከምዝበልፅ ዘጠናኽር ቅንዕና ዝመልኦ ፃውዒት ሕውነትን ሰብኣውነትን ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኩሎም ወገናት ሱዳን ረብሓ ሃገሮም ብምቕዳምን ሃገራዊ ሓላፍነት ብምልባስን ነዚ ጻውዒት  ኣወንታዊ ምላሽ ከምዝህቡ ኢትዮጵያ ሙሉእ ተስፋ ከምእትገብር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊጾም።

ሱዳናውያን ሰላምን ድሕንነትን ከምዝግብኦም ዘልዓሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ እውን እዚ ንኽዕወት ኣብ ጎኒ ሱዳናውያን ደው ከም ትብል ኣረጋጊጾም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም