ርክብ ኣፍሪካ-ቻይና ካብ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር ሓሊፉ ብትምህርቲ፣ ቋንቋን ባህላዊ ምትእስሳርን ይጠናኸር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር 15/2019 (ኢዜኣ)፡- ርክብ ኣፍሪካ-ቻይና ካብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ዲፕሎማሲያውን ምትሕብባር ሓሊፉ ብትምህርቲ፣ ቋንቋን ባህላዊ ምትእስሳርን ይጠናኸር ከምዘሎ ምክትል ፕሬዝዳንት ጉዳያት ኣካዳሚ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ጄይሉ ኦመር (ዶ/ር) ገሊፆም።

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ "ኣብ መንጎ ስልጣነታት ቻይናን ኣፍሪካን ዘሎ ከይዲ ምልውዋጥን ሓባራዊ ምምህሃርን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓለም ለኻዊ ሲምፖዚየም መፅናዕቲ ቋንቋታትን ባህልታትን ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ዓለም ለኻዊ ሲምፖዚየም መፅናዕቲ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ ኮሌጅ ትምህርትን መፅናዕቲ ቋንቋታትን ምስ ቤት ትምህርቲ መፅናዕቲ ኣፍሪካ ዩኒቨርሲቲ መፅናዕቲ ወፃኢ ቤጂንግ ቻይና ብምትሕብባር ዝተዳለወ እዩ።

ካብ ሎሚ 15 ሕዳር ክሳብ 18/2019 ዓ.ም ዝፀንሕ እቲ ዓለም ለኻዊ ሲምፖዚየም መፅናዕቲ፣ ኣብ መንጎ ስልጣነታት ቻይናን ኣፍሪካን ዘሎ ምልውዋጥ ቋንቋ፣ ባህልን ምርምርን ብምጥንኻር ሓባራዊ ምምህሃርን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ምዕባይ ዕላማ ገይሩ ዝተዳለወ ምዃኑ ተገሊፁ።

ምክትል ፕሬዝዳንት ጉዳያት ኣካዳሚ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ጄይሉ ኦመር (ዶ/ር) ኣብ መኽፈቲ መደረኦም፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መፅናዕቲ ወፃኢ ቤጂንግ መርሃ ግብሪ ባችለር ዲግሪ ቋንቋን ባህልን ኣምሓርኛ ይወሃብ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ ኮሌጅ ትምህርትን መፅናዕቲ ቋንቋታትን እውን ምስ ዩኒቨርሲቲ መፅናዕቲ ወፃኢ ቤጂንግ ብምትሕብባር ማእኸል መፅናዕቲ ቋንቋታትን ባህልታትን ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ንምዕባይ ናይ ሓባር ድሌት ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እዙይ እውን ርክብ ቻይናን ኣፍሪካን ካብ ኢኮኖሚያውን ዲፕሎማሲያውን ምትሕብባር ሓሊፉ ብትምህርቲ፣ ባህልን ብምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝብን እናተጠናኸረ ምምፅኡ ከምዘመላኽት ኣረዲኦም።

ዲን ኮሌጅ ትምህርትን መፅናዕቲ ቋንቋታትን እቲ ዩኒቨርሲቲ የቆየኣለም ደሴ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ብዝሑነት ቋንቋን ባህልን ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ንፍልጠት ዓለም ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ሃፍቲ እዩ ኢሎም።

ቋንቋታትን ባህልታትን ምፍላጥን ምዕባይን ዝሓለፈ ታሪኽ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ንመፃኢ ፍርያት ፍልጠት፣ ዕቤት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ሃገራት ብምዕባይ ንዘላቒ ልምዓትን ምሕዝነትን መሰረት ምዃኑ እውን ኣረዲኦም።

እቲ ዓለም ለኻዊ ሲምፖዚየም መፅናዕቲ ቋንቋታትን ባህልታትን ኣፍሪካ ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ፣ ትርጉም፣ ባህላዊ ትምህርቲ፣ ዲፕሎማሲ፣ ስነ ፅሑፍን ምርምር ቋንቋን ዙርያ ሞያዊ ዘተታት ዝካየዱሉ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም