ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ኣቕርቦት ፍርያት ተወዳዳሪትን ውፅኢታዊትን ንኽትከውን ስራሕቲ ወሰኽ እሴት ክተዕቢ ይግበኣ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 14 /2019 (ኢዜኣ)፦ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ኣቕርቦት ፍርያት ተወዳዳሪትን ውፅኢታዊትን ንኽትከውን ስራሕቲ ወሰኽ እሴት ክተዕቢ ከምዝግበኣ ኣቦ መንበር ቦርድ ትሬድማርክ ኣፍሪካ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣገንዚቦም።

ብሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ከምኡ’ውን ትሬድማርክ ኣፍሪካ ብሓባር ዝተዳለወ ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብቲ ፎረም ከምዝገለፅዎ፤ ኣፍሪካ ጥረ ኣቑሑት ጥራሕ ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ውፅኢታዊት ክትከውን ኣይትኽእልን።

ካብ ኣፍሪካ ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ፍርያታት እሴት ዝተወሰኾም ክኾኑ ከምዝግባእ ብምምልካት፤ ሃገራት ነዚ ምጥንኻር ዘኽእለን ስርዓት ኣሰራርሓ ክዝርግሓ ከምዝግበአን ኣብሪሆም።

መፃኢ ዕድል ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ክህነፅ ዘለዎ ኣብ ጠንካራ ዓቕሚ ምፍራይ፣ ዝለዓለ ወሰኽ እሴትን ብዝበለፀ ተወዳደርቲ ኣብ ዝኾኑ ዞባዊ መስመራት ወሰኽ እሴትን ብምምስራት ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ኣብ ዓውዲ ንግዲ ኣህጉራዊ ምትእስሳራት ምጥንኻር ወሳኒ ምዃኑ ብምዝኽኻር፤ ነዚ እውን ዞባ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ዘምፅኦም ዕድላት ብግቡእ ክንጥቀመሎም ኣለና ኢሎም።

ትካላት ንግዲ እውን ብቐፃልነት ፍርያት ከቕርባ፣ ረቛሒታት ከማልኣ፣ ተኣማንነት ዘለዎም መረጋገፅታት ክረኽባን ብተወዳዳሪ ዋጋ ከቕርባን ከምዘለወን ኣገንዚቦም።


ኣብ ኣፍሪካ ውፅኢታዊ ምትእስሳር ንግዲ ንምፍጣር ፀገም ኣቕረብቲ ዝፈትሕን ልውውጥ ዘሳልጥን ስርዓት ምዝርጋሕ ቁልፊ ጉዳይ እዩ ኢሎም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትሬድማርክ ኣፍሪካ ዴቪድ ቢር ብወገኖም፤ ፍርያት ኣፍሪካ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳደርቲ ንኽኾኑ ኣብ ፅሬት ምስራሕ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም።

ነዚ እውን ዘተኣማምን ስርዓት ምርመራ ፍርያት፣ ኣክሪዲቴሽንን ኣወሃህባ ኣፍልጦን ብዝበለፀ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ሓደሽቲ ኤሌክትሮኒክስ ስርዓታት መኸታተሊ ፅዕነት፣ ንሓድሕዶም ተናቢቦም ዝሰርሑ ስርዓታት ምሕደራ ጉምሩኽ ሓዊሱ ሰብ ስራሕ ብልሒ (AI) ምጥቃም እቲ እዋን ዝሓቶ ኣቀራርባ እዩ ኢሎም።

ትሬድማርክ ኣፍሪካ ልዕሊ 100 ዲጂታል ስርዓታት ንግዲ ክዝርግሑ ሓገዝ ምግባሩ ብምዝኽኻር፤ በዙይ ድማ ለውጥታት ተዓዚብና ኢና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም