ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚን ውፅኢታውነት ኣፈፃፅማ ዞባ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ብቆራፅነት ትሰርሕ ኣላ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚን ውፅኢታውነት ኣፈፃፅማ ዞባ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ብቆራፅነት ትሰርሕ ኣላ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 14 /2019 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚን ውፅኢታውነት ኣፈፃፅማ ዞባ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ብቆራፅነት ትሰርሕ ከምዘላ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ ገሊፀን።
‘’ሰደድ ንግዲ ኣፍሪካ ብፅሬት ምህናፅ’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ብምትሕብባር ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ከምኡ’ውን ትሬድ ማርክ ኣፍሪካ (TradeMark Africa) ዝተዳለወ እቲ ፎረም፣ ፍርያት ኣፍሪካ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳደርቲ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።
ኣብቲ ፎረም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ፣ መውፃእቲ ፖሊሲን መዳርግቲ ልምዓትን ይሳተፉ ኣለዉ።
ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ ከምዝገለፀኦ፤ ዞባ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ዝተዋደደ ዕዳጋ ኣፍሪካ ንምህናፅ፣ ኢንዱስትሪ ንምስፋሕን ዞባዊ መስመራት ወሰኽ እሴት ንምጥንኻርን ወሳኒ ግደ ኣለዎ።
በዙይ ድማ ኢትዮጵያ ኣብቲ ናፃ ዞባ ንግዲ ዝርከቡ ኣጋጣሚታት ናብ ጭቡጥ ዕድላት ኢኮኖሚ ንምቕያር ብትኹረት ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጠን።
መሰረተ ልምዓት ባቡርን መንገድን፣ እቲ ዞባ ብሓይሊ ናይ ምትእስሳር ስራሕቲ ከምኡ’ውን ህንፀት ኬላታት ዶብ ሓደ ማእኸል ሓዊሱ ኣብ ዶብ ተሳጋሪ ምትእስሳር ዝተገበሩ ኢንቨስትመንታት፤ ኢትዮጵያ ንናፃ ምንቅስቓስ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ዘለዋ ቆራፅነት ዘርእዩ ምዃኖም ጠቒሰን።
ብተወሳኺ ግልፂ፣ ዝግመትን ቀልጣፋን ባይታ ንግዲ ንምፍጣር ሰፊሕ ስራሕቲ ሕጊ፣ ቁፅፅርን ሪፎርምን ይትግበር ከምዘሎ ኣልዒለን።
ኢትዮጵያ ተግባራዊ ብዝገበረቶ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ምዕባዩ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፣ እቲ መመሓየሺ ንምስፍሕፋሕ ሰደድ ንግድን ብኢንቨስትመንት ንዝምራሕ ዕብየትን ሰፊሕ ዕድል ከምዝፈጠረ ተዛሪበን።
ኣብ ሸርፊ ወፃኢ ዝተገበረ መመሓየሺ እውን ንሰደድቲ ምስ ዘተባብዑ ኣሰራርሓታት ተደሚሩ መጠን ፍርያት ምውሳኽን ዓለም ለኻዊ ተወዳዳርነት ልዕል ናይ ምባልን ውፅኢታት ከምዘምፀአ ኣብሪሀን።
ባይታ ንግዲ ምቹው ንምግባር ዲጂታል ስርዓት ምዝርግሑ ዝጠቐሳ እተን ሚኒስትር፤ ነጋዶን ሰብ ሃፍትን ኣገልግሎታት ምውፃእን ምሕዳስን ፍቓድ ንግዲ ብኦንላይን ይረኽቡ ከምዘለዉ ሓቢረን።
ኣተሓሒዘን እውን ፅሬት ፍርያት ንምርግጋፅ ትካላት ደረጃታት፣ ምርመራ፣ ኣፍልጦን ኣክሪዲቴሽንን ኣብ ትሕቲ ሓደ ማእኸል ዘኣከበ ዘመናዊ መሰረተ ልምዓት ፅሬት ምህናፁ ገሊፀን።