ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ንግዲ ብሓደ ድምፂ ደው ብምባል ግደ መውፅኢ ሕጊነት ክትፃወት ይግባእ - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 14/2019 (ኢዜኣ)፦ ኣፍሪካ ኣብ ትካል ንግዲ ዓለምን ተመሳሰልቲ መድረኻትን ብሓደ ድምፂ ደው ብምበል ግደ መውፅኢ ሕጊ ክትፃወት ከምዝግበኣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ተወዳዳርነት ሰደድ ንግዲ ኣፍሪካ ብፅሬት ፍርያት ንምዕባይ ዝዓለመ ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ስካይላይት ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣቦ መንበር ቦርድ ትሬድማርክ ኣፍሪካን ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሀብረቢ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ትካላትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ መበቆል ፓን-ኣፍሪካኒዝም ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ቀፃሊ ምዕራፍ ታሪኽ እታ ኣህጉር ንምቕራፅ ዝግበር ዘተ ምትእንጋዳ ግቡእ እዩ።

ኣፍሪካ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ህዝቢ፣ ሰፊሕ መሬት፣ ማዕድናትን እናዓበየ ዝመፅእ ዘሎ ዕዳጋን ከምዘለዋ ዘዘኻኸሩ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ይኹን እምበር ልምዲ ምፍጣር እሴትን ሃፍቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምትራፍን ብዘይምምዕባሉ ንዘመናት ጥረ ኣቑሑት ጥራሕ ብምልኣኽ ትርፉ ንኻልኦት ከተረክብ ምፅንሓ ኣልዒሎም።

መዐቀኒ ዓወት ናብ ወፃኢ ብዝለኣኽ መጠን ጥረ ኣቕሓ ዘይኮነስ ብዝፍጠር እሴትን ጥቕሚ ሃገር ብምርግጋፅን ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ኣብ ወረቐት ጥራሕ ከይተረፈ ኣብ መንጎ ኣፍሪካውያን ዘሎ ንግዲ ንምዕባይ፣ ፋብሪካታት ንምጥንኻርን ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ክውዕል ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።

ኣብ ዓለም ለኻዊ ብርኪ ክልከላ ንግዲ እናወሰኸ ብምምፅኡን ናብ ዕዳጋ ናይ ምእታው ዕድል ብደረጃታት ፍርያትን መረጋገፂ ብቕዓትን ዝውሰን ምዃኑን ብምጥቃስ፤ ኣፍሪካ ኣብ ትካል ንግዲ ዓለምን ተመሳሰልቲ መድረኻትን ብሓደ ድምፂ ደው ብምባልግደ መውፅኢ ሕጊ ክትፃወት ከምዝግበኣ ኣተሓሳሲቦም።

ፅሬት መዘራረቢ ገንዘብ ንግዲ እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ትካላት ፅሬታ ኣብ ትሕቲ ሓደ ማዕኸል ብምእካብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈረየ ዝብል ስያመ ተኣማንነት ንኽህልዎ ትሰርሕ ከምዘላ ሓቢሮም።

እታ ሃገር ናብ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም እትገብሮ ጉዕዞ እውን ንመመሓየሺታት ኢኮኖሚኣ ሕጋዊ ውሕስና ከምዝህብን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት እትሃንፆ ምትእስሳር መሰረተ ልምዓት ንናይ ሓባር ብልፅግና ወሳኒ ምዃኑን ኣብሪሆም።

ኣፍሪካውያን ኣብዚ ፎረም ህንፀት መሰረተ ልምዓት ፅሬት፣ ምድጋፍ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ኢንተርፕራይዛት፣ ኣብ ሎጂስቲክስ ኢንቨስት ምግባርን ኩለመዳይ ምሕዝነት ምፍጣርን ትኹረት ክገብሩሎም ይግባእ ኢሎም።

በይናዊ ዓቕምታት ኣብ ዙርያ ሓባራዊ ዕላማ ብምእካብ ዝለዓለ ውፅኢት ምምፃእ ዘኽእል ሃገር በቆል ፍልስፍና መደመር  ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን ብምቕራብ፣ ኣብ ኣፍሪካ ዝተፈረየ ዝብል ስያመ መግለፂ ልህቀትን ተኣማንነትን ንኽኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም