ኣፍሪካ ካብ ዕቑር ፀጋታታ ንምጥቃም ምፍራይ፣ ኣብ ንግዲ ዓለም ንምውድዳር ድማ እሴትን ፅሬትን ምዕባይ ይግበኣ - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር /14/2019 (ኢዜኣ)፡- ኣፍሪካ ካብ ዕቑር ፀጋታታ ንምጥቃም ምፍራይ፣ ኣብ ንግዲ ዓለም ንምውድዳር ድማ እሴትን ፅሬትን ምዕባይ ከምዝግበኣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ 2026 ብወግዒ ምጅማሩ ሓቢሮም።

ኣፍሪካ ልዕሊ 1.5 ቢሊዮን ህዝቢ፣ ሰፊሕ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ፣ ኣፍራዪ ሓይሊ ሰብን እናዓበዩ ዝመፁ ዕዳጋታትን ከምዘለዉዋ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እንተኾነ ግን እቲ ቀንዲ ፈተና  ሃፍቲ ብኽንደይ ዝኣክል መጠን ናብ ሃገራውን ኣህጉራውን ዓቕሚ ትቕይር ኣላ ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣፍሪካ ፀጋታታ ብጥረኡ ጥራሕ ካብ ምልኣኽ ሓሊፋ እሴት ብምውሳኽ፣ ብምቅንባርን እሴት ዝተወሰኾም ፍርያት ናብ ዕዳጋ ብምቕራብን ካብ ሃፍታ ዝግበኣ ተጠቃምነት ከተረጋግፅ ከምዘለዋ ኣገንዚቦም።


 

ፍርያት ኣፍሪካ ብፅሬትን ብዓለም ለኸ ደረጃን ተወዳደርቲ ኮይኖም ንኽቐርቡ፣ ኣህጉራዊ መሰረተ ልምዓት ፅሬት ምጥንኻርን ናይ ሓባር ስርዓት ፅሬት ምህናፅን ወሳኒ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ፅሬት መሰረት እምነት ንግድን ተወዳዳርነት ዕዳጋን እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብኣምር መደመር ትካላት ፅሬታ ኣብ ትሕቲ ሓደ ናሕሲ ብምእካብ፣ ፅሬትን ዓለም ለኻዊ ተቐባልነትን ፍርያታ ንምዕባይ ትሰርሕ ከምዘላ ዝጠቐሱ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን፤ እዚ ድማ “Made in Ethiopia” ብዝብል ስያመ ዝቐርቡ ፍርያት ኣብ ዝኾነ ይኹን ዕዳጋ መግለፂ ፅሬትን እምነትን ንኽኾኑ ዝዓለመ ምዃኑ ኣረዲኦም።


 

ከይዲ ኣባልነት ውድብ ንግዲ ዓለም ኢትዮጵያ እውን ስርዓት ንግዳ ብዝበለፀ ተኣማንን ዝግመትን ንምግባር ዘለዋ ቆራፅነት ከምዘርኢ ብምግላፅ፣ ሃገሮም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ብተግባር ንኣፍሪካ መርኣያ ንምዃን ቆራፅ ምዃና ኣረጋጊፆም።

ኣፍሪካ ዘለዋ ዕቑር ዓቕሚ ናብ ጭቡጥ ብልፅግና ንምቕያር ብሓባር ምስራሕ፣ እምነት ዕዳጋ ምህናፅን ኣህጉራዊ ንግዲ ምስፋሕን ከምዝሓትት እውን ኣብ መልእኽቶም ኣስሚሮምሉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም