ፅሬት ፍርያት ምሕላው ተደላይነት ዕዳጋ ምዕባይን መግለፂ ብሄራዊ ክብርን እውን እዩ - ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ፅሬት ፍርያት ምሕላው ተደላይነት ዕዳጋ ምዕባይን መግለፂ ብሄራዊ ክብርን እውን እዩ - ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 12/2019 (ኢዜኣ)፦ ብፅሬት ምፍራይን ናብ ዕዳጋ ምቕራብን ተደላይነት ፍርያት ምውሳኽ ምምልካት ጥራሕ ዘይኮነስ መግለፂ ብሄራዊ ክብሪ እውን እዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢን ላዕለዋይ ሓላዊ ትካል ብሄራዊ ሽልማት ፅሬትን ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም።
መበል 13 ዙር ሃገርለኸ ስነ-ስርዓት ሽልማት ፅሬት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ተመስገን ጥሩነህ፣ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሀብረቢ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ትካል ሽልማት ፅሬት ኢትዮጵያን ተወዳደርቲ መበል 13 ዙር ሃገርለኸ ሽልማት ፅሬትን ተረኺቦም እዮም።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢን ላዕለዋይ ሓላዊ ትካል ሽልማት ጽሬትን ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፤ ብጽሬት ምፍራይን ናብ ዕዳጋ ምቕራብን ተደላይነት ፍርያት ምውሳኽ ጥራሕ ዘይኮነስ መግለጺ ብሄራዊ ክብሪ እውን እዩ ኢሎም።
ሎሚ ኣብ ውድድር ሽልማት ጽሬት ተዓወትቲ ብምዃን ዝተፈላለዩ ሽልማታት ደረጃ ንዝረኸብኩም ተወዳደርቲ ትካላት ብምሉእኹም እንዃዕ ሓጎሰኩም ኢሎም።
ተሸለምቲ ሎሚ ኣቋራጭ መንገዲ ዘይኮነስ ምናልባት እውን ቀጥታውን ኣድካምን መንገዲ መሪጽኩምን ተኸቲልኩምን፣ ዓለምለኻዊ ትሕዝቶ ብዘለዎ መመዘኒ ረቛሕን መስርሕ ምዘናን ሓሊፍኩም ኣብዚ ምብጻሕኩም ዓብዪ ዓወት እዩ ክብሉ እውን ገሊጾም።
ዓወትኩም ብጽሬት ኣገልግሎትን ፍርያትን ጥራሕ ዝተደረተ ከም ዘይኮነ ብምርዳእ ውጽኢታውነትኩም ብሰለስተ ቀንዲ ፍረታት ክግለጽ ዝኽእል እዩ ኢሎም።
ንሳቶም እውን ንተገልገልትኹም ይኹን ንዓማዊልኩም እተቕርብዎ ፍርያት ይኹን ኣገልግሎት ዓለምለኸ ደረጃ ዝሓለወን ዘተኣማምንን ምዃኑ ብተግባር ምርግጋጽ ምኽኣልኩም እዩ ክብሉ ገሊጾም።
ካልኣይ ድምር ፃዕሪ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ትካልኩም ፍረ ምፍራዩን እዚ ድማ ብትካልኩም ክትኮርዑን ዝበለጸ ንምትጋህ ስንቂ ሞራል ዝህበኩም ምዃኑን ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ሳልሳይን ልዕሊ ኩሉን ድማ ንዕብየት ቁጠባ ሃገርና ኢትዮጵያን ኣብ ዓለምለኸ ዕዳጋ ተወዳዳሪ ኮይንካ ንምውጻእን ንዝግበር ስጉምቲ ዓወትኩም ወሳኒ ዓቕምን ጉልበትን ምዃኑ ብርግጽ ምምስካርኩም እዩ ኢሎም።
ቀንዲ መሰረት ብሄራዊ ረብሓ፣ ልኡላውነትን ዘላቒ ብልጽግናን ኢትዮጵያ ሓያላት ትካላት መንግስትን ውልቀን ምህናጽ ምኽኣል እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ነዚ ድማ መንግስቲ ፍርያትን መፍረያይነትን ንምዕባይ ምስ ዝገብሮ ጻዕሪ ጎኒ ንጎኒ ፍርያት ኢትዮጵያ መለለዪ ዓለምለኸ ብቕዓትን ተወዳዳርነትን ንክኾኑ ንምብቃዕ ሰፊሕ ትልሚ ተነዲፉ ናብ ስራሕ ከም ዝተኣተወ ገሊጾም።
ነዚ ዓብዪ ኣብነት ኩልኹም ከም እትፈልጥዎ መንግስቲ ልዕሊ 8.2 ቢልዮን ብር ወጻኢ ብምግባር ዝሃነጾን ኣብ ኣፍሪካ ተጠቃሲ ዝኾነን መንደር ጽሬት ኢትዮጵያ ሓደ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
እዚ ትካል መለክዒ ጽሬት ዝኾኑ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ሓደ ብምእካብ ቅልጡፍን ስሉጥን ዝተማእኸለ ኣገልግሎት ወይ «ዋን ስቶፕ ሰርቪስ» ንክህቡ ከም ዘኽኣለ ገሊጾም።
ደረጃ ንግድን ኢንቨስትመንትን ክብ ካብ ምባሉ ሓሊፉ ፍርያት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳዳርቲ ንክኾኑ ዓብዪ ዓቕሚ ከም ዝፈጠረ እውን ኣፍሊጦም።