ኢትዮጵያን ብዓለምለኸ ደረጃ ተወዳዳሪት ንምግባር ትካላት ፅሬት ማእኸሎም ክገብሩ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ብዓለምለኸ ደረጃ ተወዳዳሪት ንምግባር ትካላት ፅሬት ማእኸሎም ክገብሩ ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 12/2019 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያን ብዓለምለኸ ደረጃ ተወዳዳሪት ንምግባር ትካላት ፅሬት ማእኸሎም ክገብሩ ከም ዝግባእ ትካል ሽልማት ፅሬት ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ሃገርለኸ ስነ-ስርዓት ሽልማት ፅሬት ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢን ላዕለዋይ ሓላዊ ትካል ሽልማት ፅሬት ኢትዮጵያን ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ተረኺቦም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል ሽልማት ፅሬት ኢትዮጵያ ኣይተ ቴዎድሮስ መብራት ኣብቲ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኣብቲ መርሃ ግብሪ 71 ትካላት ተወዳዲሮም 56 ትካላት ንሽልማት በቒዖም እዮም።
ኢትዮጵያን ብፍርያት ተወዳዳሪት ንምግባርን ብልፅግና ንምርግጋፅን ዕሬት ወሳኒ እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ ነዙይ ድማ ፅሬት ማእኸል ገይሮም ዝሰርሑ ብዙሓት ትካላት ኣድለይቲ እዮም ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ፍርያት ብስፍሓት ዘፍርዩ ኢንዱስትሪታት ተስፋሕፊሖም እዮም፣ ንፍርያት ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታት እውን ተማሊኦም እዮም ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፣ ቀፃሊ ዕዮ ገዛ ብፅሬት ተወዳዳሪ ምዃን እዩ ኢሎም።
ነዙይ ድማ ነቲ ኢንዱስትሪ ዝመርሖ ዓቕሚ ሰብ ብቕዓትን ውፅኢታውነትን ምዕባይ ቁልፊ ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሮም።