ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባዊ ሓበራዊ ተረባሕነትን ዕብየትን ዘረጋግፅ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 12/2019 (ኢዜኣ)፦ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ሕጊ፣ ኣብ ድሌት ዕብየት ኢኮኖሚን ኣብ መልክኣ-ምድራዊ ቅርበትን ዝተመስረተ ዞባዊ ሓበራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ወሳኝ ጉዳይ ምዃኑ ነበር ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሞቱማ መቃሳ ገሊፆም።

ኣፍ ደገ ባሕሪ ካብ ረብሓ ንግድን ቁጠባን ሓሊፉ ዓለምለኻዊ ምትእስሳር፣ ሓበራዊ ተረባሕነት፣ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ከምኡ’ውን ካልኦት ረብሓታት ከረጋግፅ ዝኽእል ወሳኝ መሰረተ-ልምዓት ምዃኑ ይፍለጥ።

ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ካብ ታሪኻዊ ቁጭት ናብ ሃገራዊ ዓወት ዘሰጋግር መሰረታዊ ጉዳይ ብምዃኑ፣ ንምላሹ ፃዕሪ ኩሉ ዝሓትት እዩ።

ኢትዮጵያ ንዘመናት ናይ ባዕላ ኣብ ዝነበረ ኣፍ ደገ ባሕሪ ረብሓኣን ክብራን ሓልያ እኳ እንተፀንሐት፣ ካብ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሙ ብንፁር ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ካብ ባሕሪ ክትርሕቕ ተገይራ እያ።

ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ቅልጡፍ ዕብየትን ኣብ ኣፍሪካ ካልኣይ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ኢትዮጵያ ካብ ባሕሪ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ተረኺባ ዘይብላ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኮይና ምቕፃላ ዘይከኣልን ጉዳይ ህልውናን እዩ።

እዚ ጉዳይ ንዘመናት ኣብ ኢትዮጵያውያን ክልዓል ዝፀንሐ፣ ምላሽ ዘይረኸበን ኣብ ሃገራዊ ሕራነ ዝፀንሐን ታሪኻዊ ሕቶ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ምስኣና ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ፣ ፖለቲካን ሃገራዊ ረብሓን ሃገርና ዓብዪ ፅልዋ ዘሕደረ ክስተት ምዃኑ’ውን ይልዓል።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እታ ሃገር ታሪኻዊ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምላሽ ንኽረክብን ንኽረጋገፅን እናሰርሐት ትርከብ።

ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶኦም ዘካፈሉ ነበር ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ኣይተ ሞቱማ መቃሳ፣ ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገርን ኢኮኖሚኣ’ውን ኣብ ምዕባይ ስለዝርከብ እዚ ዕብየት ተሓኒቑ ክቕፅል ከምዘይኽእል ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ሐዚ ብወገን ቀይሕ ባሕሪ ብዘለዋ መልክዓ-ምድራዊ ኣቀማምጣ፣ ብታሪኽ ይኹን ብሕጊ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ናይ ምርግጋፅ መሰል ከምዘለዋ ገሊፆም።

ብመልክኣ-ምድራዊ ኣቀማምጣ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ 40 ክሳብ 50 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ኣዝያ ቀሪባ ምርካባ ነቲ ጉዳይ ተግባራዊ ከምዝገብሮ ኣመልኪቶም።

ብታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ’ውን ክምለስ ዘለዎ ጉዳይ ህልውና ምዃኑ ጠቒሶም።

ብሕጋዊነት እውን ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ኢትዮጵያ ነቲ ወደብ ናይ ምጥቃም መሰላ ዝተሓለወ ብምዃኑ፣ ሐዚ ዝተጀመረ ፃዕሪ ኣዝዩ ኣገዳስን ትኽክልን ምዃኑ ኣረዲኦም።

ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምላሽ ምርካብ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንሃገራት እቲ ዞባ’ውን ወሳኝ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ነበር ሚኒስትር፣ ንምርግጋፅ ደሕንነት እቲ ዞባ’ውን ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሶም።

ሃገራት እቲ ዞባ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሓበራዊ ተረባሕነት ክድግፋ ከምዝግባእ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም