እቲ ፎረም ፍርያት ኣፍሪካ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘለዎም ተወዳዳርነት ንምዕባይን ልውውጥ ንግዲ ንምስፋሕን ወሳኒ እዩ - ሚኒስትር ያስሚን ወሀብረቢ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 11/2019 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ ፍርያት ኣፍሪካ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘለዎም ተወዳዳርነት ንምዕባይ፣ መሰረተ ልምዓት ፅሬት ንምጥንኻርን ኣብ መንጎ እታ ኣህጉር ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ንምስፋሕን ወሳኒ መድረኽ ምዃኑ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሀብረቢ ገሊፀን።

ተወዳዳርነት ንግዲ ሃገራት ኣፍሪካ ንምዕባይ፣ ፅሬትን ደረጃን ፍርያት ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ምትእስሳር ዕዳጋ ንምጥንኻር ዝዓለመ ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ ሕዳር 14ን 15ን 2019 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።

ብምትሕብባር ሚኒስቴር ንግድን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ትሬድ ማርክ ኣፍሪካ  ዝተዳለወ እቲ ፎረም “Building Africa’s Exports Through Quality” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክካየድ እዩ።

ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሀብረቢ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዝሓበረኦ፤ ኣብቲ ፎረም ልዕሊ 300 ላዕለዎት ውሃብቲ ውሳነ፣ ሚኒስትራት ንግዲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ሓለፍቲ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፣ ሰብ ሃፍትን ተወከልቲ ውልቀ ዘፈርን ክሳተፉ እዮም።

ፍርያት ኣፍሪካ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘለዎም ተወዳዳርነት ንምዕባይ፣ መሰረተ ልምዓት ፅሬት ንምጥንኻርን ኣብ መንጎ እታ ኣህጉር ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ንምስፋሕን ወሳኒ መድረኽ ከምዝኸውን እውን ገሊፀን።

ኣብቲ ፎረም ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዙርያ ፅሬት ፍርያት፣ ምጥዕዓም ደረጃታት፣ ምርግጋፅ ፍርያትን ተበፃሕነት ዕዳጋን ዘለዉ ብድሆታት ዝምልከቱ ዘተታት ከምዝካየዱ እውን ኣልዒለን።


ከምኡ እውን ኣብ ዙሪያ ምምችቻው ንግዲ፣ ምምሕዳር ዶብ፣ ምትእስሳር ዕዳጋን ኣተገባብራ ዞባዊ ነፃ ንግዲ ኣህጉር ኣፍሪካ (AfCFTA)ን ልምድን ሓሳባት መፍትሕን ክለዋወጡ እዮም ኢለን።

ብተወሳኺ ንልውውጥ ንግዲ ዝሕግዙ መሰረተ ልምዓታት ፅሬት፣ ዓቕሚ ላቦራቶሪ፣ ስርዓታት ምርግጋፅ ፍርያትን ኣወሳስና ደረጃን ዝምልከት ምስ ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (UNIDO)ን ትሬድ ማርክ ኣፍሪካን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ፀብፃብ ኣብቲ መድረኽ ዕላዊ ከምዝግበር ኣፍሊጠን።


ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትሬድ ማርክ ኣፍሪካ ዴቪድ ቢር ብወገኖም፤ ትካሎም ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2010 ጀሚሩ ኣብ 23 ሃገራት ኣፍሪካ ስርዓት ንግዲ ንምቅልጣፍ፣ ወፃእን ግዘን ንምንካይ ምስ መንግስታትን ውልቀ ዘፈርን ይሰርሕ ምህላዉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ምስ ዕዳጋ ዓለም ዘለዋ ምትእስሳር ንምስፋሕን ሰደድ ንግዳ ንምዕባይን ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ምድላው እቲ ፎረም ሃገራት ኣፍሪካ ብሓባር ዕድላት ንግዲ ንክጥቀማን ኣህጉራዊ ምትእስሳር ዕዳጋ ንከጠናኽራን ይሕግዝ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም