ሃገር ብሓንቲ መዓልቲ ወይ ብለይቲ እትህነፅ ዘይኮነትስ ብኸይድን ብሓባራዊ ፃዕርን እትቕረጽ እያ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገር ብሓንቲ መዓልቲ ወይ ብለይቲ እትህነፅ ዘይኮነትስ ብኸይድን ብሓባራዊ ፃዕርን እትቕረጽ እያ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 10/2019 (ኢዜኣ)፦ ሃገር ብሓንቲ መዓልቲ ወይ ብለይቲ እትህነፅ ዘይኮነትስ ብኸይድን ብሓባራዊ ጻዕርን እትቕረጽ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ 57 ሄክታር ዝሽፍን ሓድሽ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተመሪቑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንኣዲስ ኣበባ ዝያዳ ውቅብትን ማራኺትን ንምግባር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር እናተሳለጡ ምዃኖም ገሊፆም።
ሎሚ ዝተመረቐ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 57 ሄክታር ዝሽፍን ሓድሽ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ናይዚ መርኣያ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ሓድሽ ልምዓት ኮሪደር ሰፋሕቲ መንገድታት፣ መንገድታት እግሪ፣ ፓርኪንግ፣ ኢቪ ቻርጂንግ ስቴሽናት ከምኡ’ውን ንመዘናግዒ ዝኾኑ ቦታታት ምድላዎም ኣመልኪቶም።
ከምኡ’ውን መፃወቲ ቦታታት ቆልዑን መንገድታት ብሽክለታን ምክታቶም ገፅታ እታ ከተማ ብዓብይኡ ከም ዝቐየሮ ተዛሪቦም።
ልምዓት ኮሪደር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ከይተሓፀረ ከም በዓል ሃዋሳ፣ ኣርባምንጭ፣ ጅማ፣ ሃረር፣ ጎንደርን ነቀምትን ኣብ ዝኣመሰላ ከተማታት እታ ሃገር’ውን ብምስራሕ ዘተባብዑ ለውጥታት ልምዓት ክረኣዩ ምጅማሮም ገሊፆም።
እዘን ከተማታት ዝህነፀሉ ዘለዋ ኣንፈታት ምንቅስቓስ ህዝብን ስራሕቲ ንግድን ኣብ ምቕልጣፍ ይርከቡ ኢሎም።
ዝተሳለጡ ስራሕቲ ዘተባብዑ እኳ እንተኾኑ፣ ገና ብዙሓት መሰረታዊ ፀገማት ገዛ፣ መንገዲ፣ ፓርኪንግን ኣገልግሎትን ምህላዎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣልዒሎም።
ዓወታት ብምንኣድ ጥራሕ ከይተሓፀርካ፣ ዝተረፉ ክፍተታት ንምምላእ ብትግሃት ምስራሕ ከም ዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።
ሃገር ብሓንቲ መዓልቲ ወይ ብለይቲ እትህነፅ ዘይኮነትስ ብኸይድን ብሓባራዊ ፃዕርን እትቕረፅ ምዃና ኣገንዚቦም።
ንሕና ባዕልና ተሓባቢርና እንተዘይሰሪሕና ካልእ መፂኡ ሃገርና ዝሰርሓልና ኣካል ስለዘየለ፣ ብዚ መንፈስ ብምቕፃል ዘለዉ ጅማሮታት ብዓወት ምዝዛም ከም ዝግባእ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፃውዒት ኣቕሪቦም።