መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ፅሬት ልምዓት ከተማ መግለፂ  መፍረያይነት፣ ክብሪ ወዲ ሰብ፣ ማሕበራዊ ስርዓትን ዓቕሚ ምፅዋር ፀገማት ከባቢ ሓንቲ ሃገር እናኾነ መፂኡ ኣሎ።

ብምዃኑ ድማ ኣተሓሳስባ ከተማነት መንግስቲ መደመር፣ ከተማታት ማእኸላት ፈጠራ ስራሕ፣ ንግዲ፣ ፍልጠት፣ ባህሊ፣ ትካላትን መፍረያይነት ዕድል ስራሕን ንኽኾና ይገብር። እዙይ ድማ ንመፃኢ ወሰኽ ቁፅሪ ህዝቢ፣ ንክስተታት ለውጢ ንብረት ኣየርን ንጠለባት መሰረተ ልምዓትን ብቐፃልነት ምላሽ ንምሃብ ተሓሲቡ ብትልሚ ዝተዳለወ እዩ።


ቅድሚ ሐዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ኣብ ዝተገብሩ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ብምምርኳስ፣ ሎሚ 57 ሄክታር ዝሽፍን ልምዓት ኮሪደር ብዕሊ ኣጀሚርና ኣለና። እዙይ ድማ ካብ ቦሌ መድኃኔዓለም ብጎላጉል ክሳብ ኤምባሲ እንግሊዝ፣ ካብ ቦሌ መድኃኔዓለም ክሳብ ሞኤንኮ፣ ካብ ቤት ትምህርቲ ቦሌ ክሳብ ሞዴል መንደር ኣደይ ኣበባ፣ ካብ ሆቴል ኢምፔሪያል ክሳብ ፓርክ ሻላ፣ ካብ ቺቺኒያ ክሳብ ቦሌ ሩዋንዳ፣ ካብ ስታዲየም ኣደይ ኣበባ ክሳብ መንገዲ ቦሌ ከምኡ’ውን ውሽጣዊ መንገድታት ዘጠቓልል እዩ።

ንሓምለዋይን ዘመናውን ልምዓት ከተማ ሓድሽ መዐቀኒ ዘቐምጥ እዚ ፕሮጀክት፣ ዘመናዊ መንገድታት፣ ሰፋሕቲ መንገድታት እግሪ፣ መስመራት ብሽክለታ፣ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝዝርግሑ መሰረተ ልምዓታት፣ መዐደሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ከምኡ’ውን ልዕሊ 5,000 ተሽከርከርቲ ከዕርፉ ዝኽእሉ መዕረፊ መኻይን ዘካተተ እዩ።


ብተወሳኺ ዝተሓደሱ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብያተ መፃሕፍቲ፣ መፃወቲ ቦታታት፣ ሜዳታት ስፖርት፣ ካፌታት፣ ሬስቶራንታትን ፕላዛታትን ዝሓዘ እንትኸውን፣ ንሰባት፣ ንሰብኣዊ ክብርን ንፅሬት መነባብሮን ቀንዲ ሕምብርቲ ልምዓት ከተማ ገይሩ እዩ።

እዚ ካብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ንላዕሊ እዩ፤ ንመፃኢ ዕድል ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ኢትዮጵያን ዝተነድፈ ሰፊሕ ራእይ ኣካል እዩ። እዚ ድማ መፍረያይነት፣ ሓቛፋይነት፣ ሓምለዋይነትን ዘይምብርከኽ ልምዓትን ዘካተተ ኮይኑ፣ ኣፈፃፅምኡ ኣብ ዙርያ ድሌት ህዝብታትናን ባህጊ መፃኢ ወለዶን ዝተቓነየ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም