ፓርቲ ስምረት ድሌት ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ንምምላእ ተጊሁ ክሰርሕ እዩ - ኣይተ ጌታቸው ረዳ

መቐለ፤ ሕዳር 6/2019 (ኢዜኣ)፦ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ስምረት ድሌታት ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ንምምላእ ተጊሁ ከም ዝሰርሕ ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

እቲ ፓርቲ ሳልሳይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ የካይድ ኣሎ።

ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነቲ ጉባኤ ብወግዒ ኣብ ዘጀመርሉ እዋን ከም ዝገለፅዎ፤ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ስምረት ካብ መጀመርትኡ ድሌት ለውጢ ህዝቢ ትግራይ መሰረት ብምግባር ዝተመስረተ እዩ።

እቶም ኣቦ መንበር ወሲኾም ፓርቶም ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ረብሓን ድሌትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ዕዉታት ስራሕቲ ምፍፃሙ ብምዝኽኻር፤ ኣብቲ ከይዲ ብርክት ዝበሉ ፈተናታት እኳ እንተጋጠምዎ ብትግሃት ይዋፅኦም ከም ዘሎ ኣልዒሎም።


ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርቲ ዘለዉ ጥንካረታትን ድኽመታትን ብዝርዝር ብምግምጋም ዝሓሸ ዕዉት ስራሕ ንምፍፃም ብቆራፅነት ክሰርሕ እዩ ኢሎም።

ስምረት ዝተመስረተ ብለውጢ ብዝኣምኑ ኣካላት ብምዃኑ ኣብ ህዝቢ እቲ ክልል ልዑል ተቐባልነት ኣለዎ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ኣብቲ ክልል ኣብ ዝካየድ መረፃ ንምስታፍ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ከም ዝገብር ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ እቲ ፓርቲ ኣብቲ ክልል ኣብ ስራሕ ንዘሎ በዓል ሓደራ መንግስቲ ብምድጋፍ ድሌታት ልምዓት እቲ ህዝቢ ንምምላእ ፃዕሪ ከም ዝገብር ኣረጋጊፆም።

ሓላፊ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን እቲ ውድብ ኣይተ ብርሃነ ገ/እየሱስ ብወገኖም፤ እቲ ፓርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ኣንፈታትን መፍትሒ ሓሳባትን ከም ዘቐምጥ ገሊፆም።

እቲ ፓርቲ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታትን ከተማታትን ትግራይ ኣብያተ ፅሕፈት ንምኽፋት ምድላዉ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም