ሚኒስትር ገንዘብ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ COP31 ኣብ ዝተዳለወ ላዕለዋይ ብርኪ መድረኽ ዘተ መደረ ኣስሚዐን - ኢዜአ ትግርኛ
ሚኒስትር ገንዘብ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ COP31 ኣብ ዝተዳለወ ላዕለዋይ ብርኪ መድረኽ ዘተ መደረ ኣስሚዐን
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር /5/2019 (ኢዜኣ)፡- ሚኒስትር ገንዘብ ኢትዮጵያን ዋና ተደራዳሪት COP32ን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፣ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ኣንታልያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ COP31 ኣብ ዝተዳለወ ላዕለዋይ ብርኪ መድረኽ ዘተ መደረ ኣስሚዐን።
እተን ሚኒስትር ተመኩሮ ኢትዮጵያ ብምክፋል፣ ስጉምትታት ሓለዋ ኣየር ንብረት ምስ ሃገራዊ ኣጀንዳ ልምዓት፣ ኢንቨስትመንትን ቁጠባዊ ዓቕሚ ምፅዋርን ብዝተዋደደ መንገዲ ምፍፃም ዘለዎ ኣድላይነት ኣብሪሀን።
ወሲኸን እውን ቆራፅነታት ሓለዋ ኣየር ንብረት ናብ ተጨባጢ ተግባር ንምቕያር፣ ሚኒስቴራት ፋይናንስ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ኣየር ንብረት ምስ ሃገራዊ ባጀት፣ ኢንቨስትመንት መንግስትን ስትራቴጂታት ፋይናንስን ብምውዳድ ዝህልዎም ወሳኒ ግደ ኣጉሊሀን ገሊፀን።
ብተወሳኺ፣ ካብ ዝተቐመጡ ሸቶታትን ትልምታትን ናብ ጭቡጥ ኢንቨስትመንትን ውፅኢታት ልምዓትን ንምስግጋር፣ ፖሊሲታት፣ ትካላዊ ዓቕሚ፣ ሃፍትታት ፋይናንስን ምሕዝነታት ምትሕብባርን ብዝተዋደደ መንገዲ ምስጓም ዘለዎ ኣድላይነት ኣፅንኦት ሂበን ኣረዲአን።