ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ፀወታታት ኦሊምፒክ መናእሰይ 2026 ንዝተዓወቱ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር /5/2019 (ኢዜኣ)፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሴኔጋል ዳካር ኣብ ዝተኻየደ ፀወታታት ኦሊምፒክ መናእሰይ 2026 ዘደንቕን ታሪኻውን ዓወት ንዘመዝገቡ መናእሰይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፣ መናእሰይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት 5 ወርቅን 3 ብሩርን ሜዳልያታት ሓዊሱ ብሓፈሻ 8 ሜዳልያታት ብምርካብ ሰንጠረዥ ሜዳልያ ኣትሌቲክስ ብቀዳማይነት ምምራሖም፣ ዓሚቕ ተውህቦ ስፖርት ኢትዮጵያን ኣብ ዓውዲ ኣትሌቲክስ ዘለዋ ዓብዪነትን ብተደጋጋሚ ዘረጋገፀ ምዃኑ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ድማ እቶም ኣትሌታት ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ ብኽብሪ ልዕል ኣቢሎም ምውልውላሎምን ሓዱሽ ወለዶ ንዝለዓለ ዓወት ክተግህ ምልዕዓሎምን ንኽቕፅሉ ፀዊዖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም