መራሕቲ ዓውዲ ግብረ-ሰናይ ቅድመ ምድላው ኢትዮጵያ ብምንኣድ ብምትሕብባር ንምስታፍ ዘለዎም ድልውነት ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር /5/2019 (ኢዜኣ)፡- ሚኒስትር ገንዘብ ኢትዮጵያን ዋና ተደራዳሪት COP32ን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ፣ ምስ መራሕቲ ዓለም ለኻዊ ዓውዲ ግብረ-ሰናይ መድረኽ ዘተ መሪሐን።

እቲ ዘተ ናብ COP32 ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ኣብ ምሕዝነትን ሓገዝን ዘተኮረ ነይሩ።

እተን ሚኒስትር COP32 ንብዙሓት ወገናት ምትሕብባር ወሳኒ ዕድል ምዃኑን ስጉምትታት ሓለዋ ኣየር ንብረትን ልምዓትን ብዝተዋደደ መንገዲ ክትግበሩ ከምዝኽእልን ኣጉሊሀን ገሊፀን።


 

ሓገዝ ንዝገብሩ ዘለዉ መሓዙት ምስጋና ብምቕራብ፣ ዓውዲ ግብረ-ሰናይ ካብ ምድላው እቲ ጉባኤ ሓሊፉ ውፅኢታት ድርድር ናብ ተግባራዊ ስጉምትታትን ዕድላት ኢንቨስትመንትን ብምቕያር ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ኣብ መወዳእታ ድማ መራሕቲ ዓውዲ ግብረ-ሰናይ ቅድመ ምድላው ኢትዮጵያ ብምንኣድ፣ ንመሪሕነት ፕሬዚዳንትነት COP32 ሓገዝ ንምግባርን ብምትሕብባር ንምስታፍን ዘለዎም ድልውነት ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም