ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዘተታት ፋይናንስ ኣየር ንብረት ዘለዋ ግደ መሪሕነት ኣጠናኺራ ቀፂላ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 5/2019 (ኢዜኣ)፡- ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዘተታት ፋይናንስ ኣየር ንብረት ዘለዋ ግደ መሪሕነት ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ሚኒስትር ገንዘብን ዋና ተደራዳሪት ኮፕ 32ን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን።

መበል 31 ጉባኤ ለውጢ ኣየር ንብረት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ 31) እናተኻየደ ይርከብ።

ሚኒስትር ገንዘብን ዋና ተደራዳሪት ኮፕ 32ን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ጎኒ ንጎኒ እቲ ጉባኤ፣ ኣብ ኮፕ 31 ካብ ባኩ ክሳብ ቤለም ዝተዘርግሐ ፍኖተ ካርታ ንምትግባርን ዓለም ለኻዊ ሸቶታት ፋይናንስ ኣየር ንብረት ናብ ጭቡጥ ስራሕ ንምቕያርን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ተሳቲፈን።

እቲ ዘተ ዓለም ለኻዊ ቃል-ኪዳናት ኣየር ንብረት ምስ ተጨባጢ ኩነታትን ድሌታት ፋይናንስን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ምጥዕዓም ዘለዎ ኣድላይነት ኣጉሊሁ ኣርእዩ እዩ።

እዚ ድማ ተመጣጣንን ተበፃሕን ዝኾነ ሓገዝ ፋይናንስ ምርካብ፣ ጠንካራ ትካላት ምህናፅን ዝበለፀ ውፅኢታዊ ከይዲ ኣፈፃፅማ ምርግጋፅን ዘካትት እዩ።

ኢትዮጵያ ኣተኣናጋዲት መፃኢ ጉባኤ ኮፕ 32 ከም ምዃና መጠን፣ ኣብ ዓለም ለኻዊ ከይዲ ኣየር ንብረት ዘለዋ ተሳትፎ ብቐፃልነት ተጠናኽር ኣላ።

በዚ ድማ ትልምታት ኣየር ንብረት ምስ ተግባራዊ ኣፈፃፅማ፣ ፋይናንስ ድማ ምስ ጭቡጥ ውፅኢት ከምኡ እውን ዓለም ለኻዊ ቆራፅነታት ብተግባር ምስ ዝረጋገፁ ትግበራታት ንምትእስሳር ዘኽእሉ ተግባራዊ ኣሰራርሓታት ብምምልካት ተሳትፎኣ ትርጉም ብዘለዎ ኩነታት እናጠናኸረት ትርከብ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም