ሚኒስትር ገንዘብ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ላዕለወይቲ ሓላፊት ትካል ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (UN Women) ዘትየን

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር /5/2019 (ኢዜኣ)፡- ሚኒስትር ገንዘብን ዋና ተደራዳሪት COP32ን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፣ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ኣንታልያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ COP31 ምስ ዳይሬክተር ፖሊሲ፣ ፕሮግራምን ርክብ መንግስታትን ትካል ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (UN Women) ሳራ ሄንድሪክስ ተዛትየን።
ዘተአን ኣብ መንጎ ማዕርነት ፆታ፣ ፋይናንስ መንግስትን ኣብ ለውጢ ኣየር ንብረት ዝውሰዱ ስጉምትታትን ዘሎ ምትእስሳር ዘተኮረ ነይሩ።
ኣብቲ ዘተ ሳራ ሄንድሪክስ፣ ኢትዮጵያ ጉዳያት ማዕርነት ፆታ ኣብ ምምሕዳር ፋይናንስ መንግስቲ ብምክታት ተርእዮ ዘላ ዕብየት፣ ብፍላይ ድማ ምደባ ባጀት ብመንፀር ማዕርነት ፆታ ናይ ምፍላይን ምክትታልን ሥርዓት (Gender Budget Tagging) ብምትግባር ዝተመዝገበ ዕቤት ንኢደን።
ብተወሳኺ፣ ፋይናንስ ኣየር ንብረት ንማዕርነት ፆታ ግቡእ ቆላሕታ ዝህብን ንኹሉ ዘሳትፍ፣ ፍትሓውን ማዕርነት ዘረጋግፅን ምላሽ ለውጢ ኣየር ንብረት ንምስፋን ዝህልዎ ግደ ብምትኳር ተዛትየን።
ኣብ መወዳእታ ድማ ክልቲኦም ወገናት ንማዕርነት ፆታ ግቡእ ቆላሕታ ዝህብ ፋይናንስ ኣየር ንብረት ንምዕባይ ብምትሕብባር ምስራሖም ንምቕፃል ዘለዎም ቆራፅነት ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም