ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግመ-ምጥያሽን (DDR) ነበር ዕጡቓት ህወሓት ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/ 5/2019 ዓ.ም (ኢዜኣ): -ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግመ-ምጥያሽን (DDR) ነበር ዕጡቓት ህወሓት ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ይቕፅል ምህላዉ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ገሊፆም።
 
ነበር ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግመ-ምጥያሽን (DDR) ብምጥቃም ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ብምምላስ ኣብ ዳግመ-ሕውየትን ልምዓትን ትግራይ ግደኦም ክዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ምክትል ኮሚሽነር ተስፋኣለም ይሕደጎ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግመ-ምጥያሽን (DDR) ዳግማይ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሐዚ 47 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ቅድመ ምዝገባ ዘካየዱ እንትኸውን፣ መዐቀኒታት ዲዲኣር ዘማልኡ 7 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ናብ ማእኸላት ተሃድሶ ብምእታው ዝተፈላለዩ ስልጠናታት እናወሰዱ ከም ዝርከቡ ገሊፆም።

እቶም ሰልጠንቲ ንሰለስተ ሰሙናት ዝፀንሐ ናይ ስነ-ልቦና፣ ስነ-ምግባርን ካልኦት ተወሰኽቲ ስልጠናታትን ክወሃቦም ከምዝፀንሐ ዝገለፁ ኣይተ ተስፋለም፣ ኣብ ቀረባ እዋን ተመሪቖም ናብ ማሕበረሰቦም ከም ዝፅንበሩ ኣረጋጊፆም። 

እቶም ዕጡቓት ካብ ዝግበረሎም ፋይናንሳዊ ሓገዝ ብተወሳኺ ብዘላቒነት ሂወቶም ንምጥያሽ ዘኽእልዎም ዝተፈላለዩ ሓፀርቲ ስልጠናታት ሙያ ከም ዝውሃቦም እውን ገሊፆም።

እቶም ዕጡቓት ስልጠናኦም ምስዛዘሙ ቅድሚ ሐዚ ይሰርሕሉ ናብ ዝነበሩ ትካላት ዝምለስሉ ዕድል ከም ዝመቻቸወሎም እውን ኣፍሊጦም። 

መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግመ-ምጥያሽን (DDR) ኣብ ጥፍኣት ኣጀንዳ ተዋፊሮም ዝፀንሑ ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ህይወት ንምምላስን ኣብ ዳግመ-ሕውየትን ልምዓትን ክልል ትግራይ ኣበርክቶ ንኽገብሩ ዝዓለመ ምዃኑ እውን ኣረዲኦም።

ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ዲዲኣር ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ይቕፅል ከምዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ተስፋለም፣ እቶም ዝተረፉ ዕጡቓት እውን ናይቲ መስርሕ መዐቀኒታት እናኣማልኡ ብከይዲ ዲዲኣር ክሓልፉ ከም ዝግበር ኣረዲኦም፡፡ 

ትግራይ ብሰንኪ ኹናት ሰፊሕ ዕንወት፣ ማሕበራዊን ስነልቦናዊን ቅልውላው ከም ዝበፅሓ ብምዝኽኻር፣ እቶም ነበር ዕጡቓት ካብ ኹናትን ጎንፅን ብምርሓቕ ነቲ መስርሕ ብምጥቃም ናብ ሰላማዊ ህይወት ብምምላስ ኣብ ዳግመ-ሕውየትን ልምዓትን ትግራይ ኣበርክቶ ክገብሩ እውን ፀዊዖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም