ኢትዮጵያ ብልምዓት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣብነት እትኸውን ሃገር ኮይና ኣላ - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብልምዓት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣብነት እትኸውን ሃገር ኮይና ኣላ - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 5/2019 (ኢዜኣ)፡- ኢትዮጵያ ብልምዓት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣብነት ዝኾነት ሃገር ከም ዝኾነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፤ ለውጢ ኣየር ንብረት ንምምካት ዝጀመርናዮም ስራሕቲ፣ ቁልፊ ስልትታት መሐለዊ ሓለዋ ከባቢ፣ ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት፣ ድሕንነትን ብሄራዊ ረብሓን እውን እዮም ኢሎም።
ብሓሳብ ኣመንጫዊነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ሃፍቲ ተፈጥሮ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ብምቅልጣፍ ንወለዶ ዝሰጋገር ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ምዃኑ ኣመላኺቶም።
ኢትዮጵያ ነዚ ተግባራዊ ተሞክሮ ናብ ዓለም ለኸ መድረኽ ብምስፋሕ ኣብ ዲፕሎማሲ ኣየር ንብረት ዘለዋ ፅልዋ እናጠናኸረት ከምእትርከብ ገሊፆም።
ኣብ ቱርኪዬ ከተማ ኣንታሊያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኮፕ 31 ብእትገብሮ ዘላ ንጡፍ ተሳትፎን ብዝኸፈተቶ መካነ ርእይ፣ ዓወታት ሓምለዋይ ልምዓታን ሃገራዊ ዓወታታን ንዓለም እናፋለጠት ከምእትርከብ ሓቢሮም።
ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ዓመት ልዕሊ 56 ቢሊዮን ፈልሲ ዝተኸለት ሃገርና፣ ብተሓዳሲ ሓይሊ፣ ብልምዓት ኮሪደር፣ ብመስኖ ሓጋይን ብልምዓት ወሰን ሩባን ዘይንቕነቕ ስርዓት ኢኮኖሚ እናሃነፀት ምዃና እዮም ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ምላሽ ለውጢ ኣየር ንብረት መሪሕ ግደ ካብ ምውፃእ ሓሊፋ ሐዚ መተኣናገዲት ሃገር ኮፕ 32 ኮይና ኣላ።
ኣብ ኮፕ 31 ተሞክሮኣ እናካፈለትን ካብቲ ምድላው ተሞክሮ እናቐሰመትን ንኣጋይሻ ብኽብሪ ዓዲማ ኣላ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ነዳልዎ ዓለም ለኸ ጉባኤ ለውጢ ኣየር ንብረት ፣ ኢትዮጵያ ተሞክሮ ልምዓታ ኣብ ባይታ እተርእየሉ፣ ንፍትሒ ኣየር ንብረትን ተግባራውነት ፋይናንስ ልምዓትን እትቃለሰሉ፣ ከምኡ እውን ኣብ ቱሪዝም፣ ኢንቨስትመንትን ዓለም ለኸ ምሕዝነትን ዘለዉ ዕድላት እተስፍሓሉ ታሪኻዊ መድረኽ እዩ ኢሎም እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም።