ኢትዮጵያ ምስ ቱርኪዬ ዘለዋ ታሪኻዊ ምሕዝነት ብኢንቨስትመንትን ዓለምለኻዊ መድረኻትን ንምጥንኻር ቆራፅ እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ምስ ቱርኪዬ ዘለዋ ታሪኻዊ ምሕዝነት ብኢንቨስትመንትን ዓለምለኻዊ መድረኻትን ንምጥንኻር ቆራፅ እያ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 5/2019 (ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ ምስ ቱርኪዬ ዘለዋ ታሪኻዊ ምሕዝነት ብኢንቨስትመንትን ዓለምለኻዊ መድረኻትን ንምጥንኻር ቆራፅ ከም ዝኾነት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ተመራፂ ፕረዚደንት ኮፕ 32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 31 ጉባኤ ለውጢ ኣየር ንብረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኮፕ 31) ኣብ ቱርኪዬ ኣንታሊያ ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ተመራፂ ፕረዚደንት ኮፕ 32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ጎን ንጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ቲአርቲ ዎርልድ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከም ዝገለፅዎ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቱርኪዬን ዘሎ ታሪካዊን ጽኑዕን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ናይ ኢኮኖሚ ምትሕብባር ምስግጋር ይግባእ።
ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ዓዲ ቱርኪዬ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ዕብየት ኢኮኖሚ ሰፊሕ ተሳትፎ ክገብሩ ፀዊዖም።
ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብብርኪ መራሕቲ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ህዝባዊ ርክብ ዝተመስረተ ፅኑዕ ምሕዝነት ምዃኑ ገሊፆም።
ኩባንያታት ቱርኪዬ ልዑል ተሞክሮን ዓቕምን ኣብ ዘለዎም ዓውድታት ኣገልግሎት፣ ማኑፋክቸሪንግን ኮንስትራክሽንን ብምውፋር ኣብ ኢትዮጵያ ይመዝገብ ኣብ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዓቢዪ ለውጢ ከምፅኡ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።
እዙይ ድማ ንክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ተጠቃምነት ዘረጋግፅ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ንዕውትነት በኣዳላውነት ቱርኪዬን ብመሪሕነት ድርድር ኣውስትራሊያን ይካየድ ንዘሎ ጉባኤ ኮፕ 31 ምሉእ ደገፋ ከም ትህብ ገሊፆም።