ኣብ ኦሊምፒክ መናእሰይ ዘኹርዕ ውፅኢት ዘመዝገበ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሉ

ኣብ ፀወታታት ኦሊምፒክ መናእሰይ ዓለም 2026 ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ፀወታታት ኦሊምፒክ መናእሰይ ዓለም 2026 ኣብ ሴኔጋል ከተማ ዳካር ምክያዱ ይዝከር።

ኣብዚ ውድድር ኢትዮጵያ 5 ወርቅን 3 ብሩርን ብድምር ሸሞንተ ሜዳልያታት ረኺባ እያ።


 

እዞም ሜዳልያታት ወርቅን ብሩርን ኢትዮጵያ ኣብ ሰንጠረዥ ሜዳልያ ኣትሌቲክስ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ ንኽትሕዝ ኣኽኢሎምዋ እዮም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ነቲ ውድድር ብዓወት ዛዚሙ ሎሚ ንጉሆ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ልዑኽ ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ምስበፅሐ እውን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም