ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት፥ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምንፃል ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን፦ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ - ኢዜአ ትግርኛ
ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት፥ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምንፃል ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን፦ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
መቐለ/ሕዳር/5/2019/ኢዜኣ/ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፥ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምንፃል ዝገበሮ ፃዕሪ ምፍሻሉን ንቐፃሊ እውን ከምዘይሰምረሉን ገሊፆም።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ነዙይ ዝገለፁ ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም ምስ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መናእሰይን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ እዩ።
ዕላማ እቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ብሓባር ምስራሕ ዝከኣለሉ ኩነታት ንምፍጣርን ከምዝኾነን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝተዋደደ ድማ ፃዕሪ ከምዘድልን ተሓቢሩ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፥ ትግራይ ኣካል ታሪኽን መንነትን ኢትዮጵያ ብምዃና ህልውና ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ተነፂሉ ከምዘይረአን ትግራይ ኣብ ታሪኽ፣ ምስረታን ህልውናን ኢትዮጵያ ዘለዋ ግደ ዘይትካእ ምዃኑን ኣብሪሆም።
ህዝቢ ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ታሪኻዊ፣ መንነታውን ሃገራውን ምትእስሳር ዘይብጠስ ምዃኑ ብምርዳእ፣ ጉጅለ ጥፍኣት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምንፃል ዝገበሮ ፃዕሪ ከምዝፈሸለ ገሊፆም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ምስ ሻዕብያን ግብፅን ብምዃን ንኢትዮጵያ ወጊኡ እዩ ዝበሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፥ ምስ ታሪኻውያን ፀላእቲ ሽርክነት ብምፍጣር ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝገበሮ ከይዲ ብኪሳራ ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም።