ኣብ መፅረዪ ዋንጫ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ንሞዛምቢክ ስዒራ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ መፅረዪ ዋንጫ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ንሞዛምቢክ ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 4/2019 (ኢዜአ)፦ ኣብ መፅረዪ መበል 36ይ ዋንጫ ኣፍሪካ ሃገራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ሞዛምቢክ ኣብ ዝገበረቶ ፀወታ 1 ን 0 ሰዒራ።
ኣብ ስታዲየም ዚምፔቶ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ጉጅለ 10 ከነኣን ማርክነህ ኣብ 85ይ ደቂቓ እታ ጎል ኣመዝጊቡ።
ድሕሪ ዕረፍቲ ፅቡቕ ምንቅስቓስ ዘርአየ ሃገራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ንጎል ዝቐረባ ፈተናታት ኣካይዱ እዩ።
ቅድሚ ዕረፍቲ ሞዛምቢክ ዝረኸበቶ ዕድላት ጎል ክትጥቀመሉ ኣይክኣለትን።
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኢትዮጵያ ኣብ ጉጅለ 10 መጀመርታ ሰለስተ ነጥባ ረኺባ እያ።
ዋልያታት በዚ ሰለስተ ነጥብ ደረጃኣም ካብ ራብዓይ ናብ ሳልሳይ ክብ ኣቢልምዎ።
ሞዛምቢክ ብሓሙሽተ ነጥብ ካልኣይ ደረጃ ተቐሚጣ ኣላ።
ቀፃሊ መፅረዪ ፀዋታ ክልቲኤን ሃገራት ሶሉስ 8 ሕዳር 2019 ዓ.ም ኣብ ዓለም ለኸ ስታዲየም ባሕር ዳር ክካየድ እዩ።
ሴኔጋል ብሸውዓተ ነጥብ ነቲ ጉጅለ ትመርሕ ኣላ።