ኣተሓሳስባ መደመር ብዙሕነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣተኣሳሲርካ ንምስጓም ዓብዪ መሰረት እዩ

 

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 4/2019 (ኢዜኣ)፦ ኣተሓሳስባ መደመር ብዙሕነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣተኣሳሲርካ ንምስጓም ዓብዪ መሰረት ምዃኑ ሚኒስትር ድኤታ ባህልን ስፖርትን ረዳት ፕሮፌሰር ነቢዩ ባዬ ገሊፆም።

ኣብ ኣተሓሳስባ መደመር ዝተመስረቱ ስራሕቲ   ምጥንኻር ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነት ይሳለጡ ምህላዎም እውን ኣመላኺቶም።

መንግስቲ መደመር ዓውዲ ባህልን ቱሪዝምን ከም ዓብዪ ሃገራዊ ሃፍቲ ብምውሳድ፣ ብዙሕነትን ሕብረ-ብሄራዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ ኣብ ምጥንኻር ይርከብ።

ብርክት ዝበሉ ታሪኻዊ፣ ተፈጥሮኣውን መንፈሳውን ቦታታት ብምልማዕ ከምኡ’ውን ሓድግታት ብምክንኻን ምስሊ ሃገርና ናይ ምዕባይ ስራሕቲ እናሳለጠ ይርከብ።

ኣብቲ ዓውዲ ዝተሰርሑ ዘመናዊ መሰረተ ልምዓታትን ስራሕቲ ምፅባቕ መዕረፊታትን ህዝብታት ሓቢሮም ንክዓብዩ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዘበርከተ እንትኸውን፣ እዞም ኩለመዳያዊ ፃዕርታት ኢትዮጵያ ካብ ዓለምለኻዊ ቱሪዝም ክትረኽቦ ዝግባእ ተጠቃምነት እናዕበይዎ ይርከቡ።

ረዳት ፕሮፌሰር ነቢዩ ባዬ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፣ ፍልስፍና መደመር ንብዙሕነት፣ መግለፂታት ባህልን መንነትን ኢትዮጵያ መሰረት ገይሩ ዝተበገሰ ሓፈሻዊ ሃገር በቆል ኣተሓሳስባ ምዃኑ ገሊፆም።

ፍልስፍና መደመር ሓቀኛ ምስሊ ኢትዮጵያ፣ መንነት ህዝብታታን መዓልታዊ ስርዓት መነባብሮን ዝምጥን ሓፈሻዊ መትከል ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ መነባብሮ ሒዙ፣ ምስ ድምርን እኩብን ባህሊ  እታ ዓባይ ሃገር ሓቢርካ ናይ ምንባርን ምክብባርን ክብርታት ከምዘዕቢ እውን ጠቒሶም።

ኣተሓሳስባ መደመር ንብዙሕነትን መልክዕ-ብዙሕነትን ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ዝቕበልን ነዚ መሰረት ገይሩ ዝንቀሳቐስን ምዃኑ ዘረድኡ እቶም ሚኒስትር ድኤታ፤ ሓደ ናይቲ ኻልእ ጥንካረ እናጉልሀ፣ ክፍተት እናመልአን እናተሓጋገዘን ክነብር ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝተመስረተ ዓብዪ ፍልስፍና ምዃኑ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ካብ ዝምርሓሎም ዓውድታት ሓደ ዓውዲ ባህልን ቱሪዝምን ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኣብ ዓውድታት ብራንዲንግ፣ ባህልን ስነ-ጥበብን ሰፊሕ ስራሕቲ ይስርሑ ምህላዎም ጠቒሶም።

ክብሪ ብዙሕነት ንቀፃሊ ጉዕዞ ስልጣነ ከም ጉልበትን ሓጋዝን ኮይኑ ንሰላም፣ ንብልፅግና ከምኡ’ውን ንደቂ ፅባሕ ውሕስና መነባብሮ ብዝህብ መልክዑ ተግባራዊ ይግበር ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ሃፍቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ቋንቋታት፣ ባህልታትን እምነታትን ከም ፅቡቕ ዕንባባ ሓድነት ብምቑፃር ብውዳበን ብማእኸላይ መንገድን ምቅላሕ ግቡእ ምዃኑ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም