መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመሮም ስርሓቲ ለውጢ ኣጠናኺሩ ክቐፅል ይግባእ -ነበርቲ ከተማ መቐለ

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር /4/2019 (ኢዜኣ)፦ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመሮም ስርሓቲ ለውጢ ኣጠናኺሩ ክቐፅል ይግባእ ክብሉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም።

ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ነበርቲ ከተማ መቐለ ተዛቲዮም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ እቲ እዋን ነበር ጉጅለ ህወሓት ብታሪኻዊ ፀላእቲ ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ፅምዶ ታሓዊሱ ንሃገር ምውግኡ ገሊፆም

ብቐፃሊ ንሰላም ህዝቢ ትግራይ ከመይ ንሰርሕ ንዝብል ኣንፈት ንምሕባር ኣብ ናይ ሎሚ መድረኸ ዘተ ከምተረኸቡ ኣመልኪቶም።


 

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን መናእሰይን ሓዊሱ ክፋላት ማሕበረሰብ እታ ከተማ ተረኺቦም፡፡

ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ኩናት ይኣክል ሰላም ብልፅግና ምርግጋእ ኢና እንደሊ ክብሉ ገሊፆም

እቲ ዘተ ኣብ ክልል ትግራይ ሰላምን ምርግጋእን ምጥንኻር፣ ሕቶታት ስግኣት እቲ ማሕበረሰብን ምስማዕ ከምኡ እውን ብሓበራዊ ምርድዳእን ብምትሕብባርን ስራሕቲ ህንፀት ሰላም ኣብ ምስፋሕ ዘድሀበ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም