ሃገር ምህናፅ ናይ ሓደ እዋን ወይ ናይ ሓደ ዘመን ጉዳይ ዘይኮነስ በርቲዒኻን ብሓባር ደው ኢልካን ዝስራሕ ሓላፍነት ወለዶ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገር ምህናፅ ናይ ሓደ እዋን ወይ ናይ ሓደ ዘመን ጉዳይ ዘይኮነስ በርቲዒኻን ብሓባር ደው ኢልካን ዝስራሕ ሓላፍነት ወለዶ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 4/2019 (ኢዜኣ)፦ ሃገር ምህናፅ ናይ ሓደ እዋን ወይ ናይ ሓደ ዘመን ጉዳይ ዘይኮነስ በርቲዒኻን ብሓባር ደው ኢልካን ዝስራሕ ሓላፍነት ወለዶ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝበልዎ፤ ኣባይቲ ሓዊሱ ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓት ኩሎም ዝፀንሑ፣ ዝነብሩን ህይወት ብዙሓት ሰባት ብጭቡጥ ዝቕይሩን ክኾኑ ኣለዎም።
ክሳብ ሐዚ ዝተጀመሩ ስራሕቲ እውን ነዚ ምዕዋት ከምዝክኣል ብተግባር ዘርእዩ ምዃኖም ተዛሪቦም።
ዝተሓሰበ ሃገራዊ ብልፅግና ጋህዲ ዝኸውን ህይወት ሓንቲ ኣዶን ትሑት እቶት ዘለዎም ዜጋታትን ምትንካፍን ምቕያርን እንትክኣል ጥራሕ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ሃፍቲ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ዜጋታት ንክዓብዩን ንክተባብዑን እናተገበረ፣ ዋሕዚ እቲ ሃፍቲ ህይወት ሕድሕድ ሰብ ተንኪፉ ኩሉ ዜጋ ብብርኩን ብዓቕሙን ደረጃ መነባብርኡ ዝመሓየሸሉ ፍትሓዊ ስርዓት ምህናፅ ዋና ዕላማ ተገይሩ ምትሓዙ እውን ጠቒሶም።
ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ሰፊሕ ተስፋ ከምዘለዋ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ካብ ዝተገበሩ ዑደታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝተጀመሩ ዕዉታት ስራሕትን ምግንዛብ ይከኣል እዩ ኢሎም።
ካብ ስራሕ ወፃኢ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ምልዋጥ ስለዘይክኣል፣ ዘለዉና ክፍተታት እናኣረምናን እናመሓየሽናን ብፅኑዕ ስራሕን ብሓባራዊ ሓድነትን እንተተረባሪብና ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ምስ ካልኦት ሃገራት እትመዓራረ ፅብቕትን ዝበልፀገትን ሃገር ክንሃንፅ ንኽእል ኢና ኢሎም።
ሃገር ምህናፅ ናይ ሓደ እዋን ወይ ናይ ሓደ ዘመን ጉዳይ ዘይኮነስ በርቲዒኻን ብሓባርደው ኢልካን ዝስራሕ ሓላፍነት ወለዶ ምዃኑ እውን ገሊፆም።