ዜጋታት ኣባይቲ ብቐሊሉ ንክዕድጉ ምስ ባንክታትን ውዳበታት ፈንድ ፋይናንስን ብምውዳድ እናነበሩሎም ዝኸፍልሉ ስርዓት ይመዓራረ ኣሎ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 4/2019 (ኢዜኣ)፦ ዜጋታት ኣባይቲ ብቐሊሉ ንክዕድጉ ምስ ባንክታትን ውዳበታት ፈንድ ፋይናንስን ብምውዳድ እናነበሩሎም ዝኸፍልሉ ስርዓት ይመዓራረ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዘመላኸትዎ፣ ብብርኪ ሃገር 1.5 ሚሊዮን ኣባይቲ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ናውቲ ኮንስትራክሽን ማለት እውን ሓፂን፣ መስትያትን ሴራሚክን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዓቕሚ  ምፍራይ ኣብ ምዕባይ ሰፊሕ ትኹረት ተገይሩ እናተሰርሐ ይርከብ።

ኣባይቲ ኣብ ምህናፅ ከይዲ ስኪም ፋይናንስን ኣገልግሎት ሞርጌጅን ብሓባር እንተዘይተዘርጊሑ ዜጋታት ኣባይቲ ብቐሊሉ ክዕድጉ ከምዘይኽእሉ ገሊፆም።

ምስ ባንክታትን ውዳበታት ፈንድ ፋይናንስን ብምውዳድ ብምስራሕ ዜጋታት እናነበሩሎም ዝኸፍልሉ ስርዓት ይመዓራረ ምህላዉ ኣመላኺቶም።


 

ብሽርክና መንግስትን ውልቀን ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ልዕሊ ሚኢቲ ሽሕ ኣባይቲ ተጀሚሮም ካብ ዓመት ኣብ ዝንኣሰ እዋን ብፅቡቕ ኩነታት ምዝዛሞም ጠቒሶም።

ብፍላይ ከም መርካቶ ቅጠል ተራ ኣብ ዝበሉ ከባቢታት ዝተርኣየ ቅልጡፍ ህንፀት ገዛን ለውጢ መነባብሮን  ኣብ ሓፂር እዋን ዝተረኸበ ዓብዪ ውፅኢት እንትኸውን፣ ሚኢቲ ሽሕ ኣባይቲ ተዛዚሞም ምስተወድኡ እውን ነዚ ተመኩሮ ብስፍሓት ናይ ምቕፃል ስራሕ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ገጠር ኩነታት መንበሪ ሓረስቶት ንምልዋጥ ከምኡ’ውን ኣብ ከተማታት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከይረኸቡ ዝነብሩ ዜጋታት ፀገም ንምቕራፍ ሚሊዮን ኣባይቲ ከምዘድልዩ እውን እዮም ገሊፆም።

ነዚ ሰፊሕ ክፍተት ንምምላእ ገንዘብ ጥራሕ ዘይኮነስ ፍልጠት፣ ፅሬት ዘለዎ ዲዛይንን ዘላቕነት ዘለዎ ህንፀትን ስለዘድሊ፣ ነቲ ስራሕ ብቕልጣፈን ብፅሬትን ንምፍፃም ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክሰርሑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣተሓሳሲቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም