ፀቕጢ መንበሪ ገዛ ህዝብና ምቅላል ንዓና ሸቶ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ ሕድርን ሓላፍነትን እዩ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 4/2019 (ኢዜኣ)፦ ፀቕጢ መንበሪ ገዛ  ህዝብና ምቅላል ንዓና ሸቶ ልምዓት  ጥራሕ ዘይኮነስ ሕድርን ሓላፍነትን እዩ  ክብላ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ "ቃል ብተግባር" ብዝብል ርእሲ ኣብ ማሕበራዊ መተኣሳሰሪ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ከምዘመላኸትኦ፣ ካብ ብስራታት ጉባኤ ሓደ ብዝኾነን ከም ሃገር ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት 1.5 ሚሊዮን ኣባይቲ ንዜጋታት ንምርካብ ብዝተኣተወ ቃል መሰረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ህንፀት  እናተሳለጡ ይርከቡ።

ኣብታ ከተማ ኣብ 21 ሳይታት እናተሃንፁ ካብ ዘለዉ 100 ሽሕ ኣባይቲ እቶም 50 ሽሕ ዝኾኑ ብባጀት ምምሕዳር እታ ከተማ፣ እቶም ዝተረፉ 50 ሽሕ ኣባይቲ ድማ ብምሕዝነት መንግስትን ውልቀን ከምኡ እውን ብማሕበራት ስራሕ መንበሪ ኣባይቲ ኣቢሎም ህንፀቶም እናተኻየደ ምዃኑ ሓቢረን።


ምስዚ ተተሓሒዙ እውን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብምዃን ኣብ ቱሉ ዲምቱ እናተሃንፁ ዝርከቡ 33 ብሎካትን ኣብ ኣዲስ ከተማ ቅጠል ተራ ዝርከቡ 9 ብሎካትን ከምዝጎብነያ ብምግላፅ፣ ከይዲ እቶም ህንፀታት ኣብ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ከምዝርከቡ ምዕዛበን ኣፍሊጠን።

ፀቕጢ መንበሪ ገዛ  ህዝብና ምቅላል ንዓና ሸቶ ልምዓት  ጥራሕ ዘይኮነስ ሕድርን ሓላፍነትን እዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፣ ነዚ ንምውፃእ ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት ኣብ ሰሙን 7 መዓልቲ (24/7) ተጊሀን ከምዝሰርሓ ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም