ነበር ዋና ዳይሬክተር ኦቢኤን ኣይተ ግዛቸው ገቢሳ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ነበር ዋና ዳይሬክተር ኦቢኤን ኣይተ ግዛቸው ገቢሳ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 4/2019 (ኢዜኣ)፦ ነበር ዋና ዳይሬክተር ኦሮሚያ ብሮድካስቲንግ ኔትወርክ (ኦቢኤን) ኣይተ ግዛቸው ገቢሳ ብምኽንያት ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።
ኣይተ ግዛቸው ኣብ ውሽጢ ትካል ራድዮን ቴሌቪዥንን ኦሮሚያ ካብ ሪፖርተር ክሳብ ዋና ኣሰናዳኢነት፣ ኣብ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ኦሮሚያን ኣብ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ፓርቲ ብልፅግና ኦሮሚያ ሓላፊ ዓውዲ ርክብ ህዝብን ርኢቶ ህዝብን ብምዃን ኣገልጊሎም እዮም።
ኣይተ ግዛቸው ገቢሳ ካብ ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ጀሚሮም ዋና ዳይሬክተር ኦቢኤን ብምዃን ዘገልገሉ እንትኾኑ፣ ኢንዱስትሪ እቲ ሚድያ ኣብ ምዕባይ መዳይ እውን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቶም እዮም።
ቅድሚ ውሑዳት ዓመታት ሓሚሞም ኣብ ክትትል ሕክምና ዝፀንሑ እንትኾኑ፣ 3 ሕዳር 2019 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ኦሮሚያ ገሊፁ።
ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብሕልፈት ህይወት ኣይተ ግዛቸው ገቢሳ ዝተሰምዖ ዓሚቕ ሓዘን እናገለፀ፤ ንስድራቤቶም፣ ንመሳርሕቶምን ንፈተውቶምን ኩሎም ፅንዓት ይምነ።