ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ኣባይቲ ሃኒፅና ንምርካብ ዝተኣተናዮ ቃል ብተግባር ንምርግጋፅ ብዘይ ዕረፍቲ እናሰራሕና ኢና፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ / ሕዳር 4 / 2019 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ኣባይቲ ሃኒፅና ንምርካብ ዝተኣተናዮ ቃል ብተግባር ንምርግጋፅ ለይትን መዓልትን ብዘይ ዕረፍቲ እናሰራሕና ኢና ክብሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ መንግስቲ ብምኽንያት ሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘጋጥም ዘሎ ፈተናን ስግኣትን ብግቡእ ከም ዝርዳእ ብምግላፅ፤ ደረጅኦም ዝሓለዉን ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝቐርቡን መንበሪ ኣባይቲ ምምችቻው ሸቶ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንዜጋታት ዝተኣተወ ሕድርን ሓላፍነትን ምዃኑ ኣመላኺቶም።


 

ዋና ትኹረትና ጭቡጥ ውፅኢት ምምዝጋብ፣ ፀቕጢ መንበሪ ኣባይቲ ህዝብና ምቕላልን ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝርከቡ ስድራቤታት ዝሓሸ ምዕራፍ መነባብሮ ምኽፋትን እዩ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም