መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብምኽክር ሃገር ንምፅናዕን ስልጡን ሃገር ንምህናፅን ቁልፊ ግደ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 4/2019 (ኢዜኣ)፦ መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ፀጋ ብዙሕነት ብምጥቃም ብምኽክር ሃገር ንምፅናዕን ስልጡን ሃገር ንምህናፅን ቁልፊ ግደ ከምዘለዎ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሙፈሪሃት ካሚል ኣከባብራ መበል 21 መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣመልኪተን ንመራኸቢ ሓፋሽ መብርሂ ሂበን።
መበል 21 መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ "ብብዙሕነት ዝደመቐት ብምኽክር ዝፀንዐት ስልጥንቲ ኢትዮጵያ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ጅማ ክኽበር እዩ።
ናይዚ ዓመት መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝኽበር እንትኸውን፤ ሕዳር 21 መዓልቲ ሕውነት፣ 26 መዓልቲ ሓድነ፣ 27 ነቲ በዓል ንዘተኣናግዱ ክልላት ዝወሃብ ብምዃኑ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ኦሮሚያ፣ 28 መዓልቲ ምኽክር ከምኡ’ውን ሕዳር 29 መዓልቲ ኢትዮጵያ ተባሂሉ ተሰይሙ ኣሎ።
ናይ ሎሚ ዓመት መሪሕ ሓሳብ ናይ ሓባር ቃል ኪዳን፣ ናይ ሓባር ትልምን ናይ ሓባር ግንዛበን ብምፍጣር፤ ብዙሕነት ሃፍቲ፣ ምኽክር መንገዲ ስልጣነ፣ ስልጡን ማሕበረሰብ ድማ መዕለቢ እቲ ሸቶ ዝገበረ እዩ።
ኣፈ ጉባኤ ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ መግለፂአን፤ ኩለመዳያዊ ልኡላውነታ ዘረጋገፀት ኣፍራዪት፣ መራሒትን ስልጥንትን ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዘኽእል ፍኖተ ካርታ ወለዶ 25 ዓመት ተቐሪፁ እዩ ኢለን።
ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝተሳለጠ ስርዓት ፌዴራል ኣብ ምፍጣር መዳይ ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎም ብምግላፅ፤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝካፈሎ ራእይ ምዃኑ ተዛሪበን።
ኢትዮጵያ ናይ ብዙሕ መንነት ሃገር እያ እንትበሃል ብብዙሓት መንነታት ዝደመቐት ማለትና እዩ ዝበላ እተን ኣፈ ጉባኤ፤ ብዙሕነት ብግቡእ ክመሓደር እንተኽኢሉ ንፈጠራ፣ ልህቀትን ሃገራዊ ስግግርን ወሳኒ ሃፍቲ ምዃኑ ገሊፀን።
ስለዝኾነ ኢትዮጵያውያን ፀጋ ብዙሕነትና ብምክንኻንን ንልምዓት ብምውዓልን ፍልፍል ዕብየትና ክንገብሮ ይግባእ ኢለን።
መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሃፍቲ ብዙሕነትና ንምጥቃም ነንሕድሕድና እንፋለጠሉ መድረኽ ምዃኑ ገሊፀን።
በጀት ዓመት 2019 ኢትዮጵያውያን ብድምፆም ይጠቕመና እዩ ኢሎም ዝመረፅዎ መንግስቲ ዝተመስረተሉ እዋን ምዃኑ ብምልዓል፤ ናይ ነዊሕ እዋን ትልሚ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምስራሕ ርብርብ ይግበር ኣሎ ኢለን።
መበል 21 መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ተልእኾ ልምዓት መንግስቲ ብዘዕውት መንገዲ ንምኽባር ምድላው ምግባሩ ገሊፀን።
ስለዝኾነ እቲ መዓልቲ በዓል ካብ ምኽባር ሓሊፋ ዓባይ ሃገር ንምስግጋርን ዘላቒ ብልፅግና ንምርግጋፅን መሰረት ዘንብር እዩ ኢለን።
ምኽክር ባህሉ ዝገበረ ዝተረዳድአ ህዝቢ ቅልጡፍ ዕብየት፣ ኣሳታፊን ሓቛፊን ልምዓት ንምምዝጋብ መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃናፂ ግደ ከምዝህልዎ ኢለን።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ብስልጡን ባህሊ ምኽክር ዝተነበረ መሰረት ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ናይ ምስግጋር ልኡኹ ክዋፃእ ከምዘለዎ ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም