ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዎን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ስቴት ሴክሬታሪ ሚኒስቴር ፌዴራል ሓለዋ ከባቢ፣ ስጉምቲ ለውጢ ኣየር ንብረት፣ ሓለዋ ተፈጥሮን ድሕንነት ኒውክሌርን ጀርመን ዶ/ር ሃይኬ ሄን ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዎን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ስቴት ሴክሬታሪ ሚኒስቴር ፌዴራል ሓለዋ ከባቢ፣ ስጉምቲ ለውጢ ኣየር ንብረት፣ ሓለዋ ተፈጥሮን ድሕንነት ኒውክሌርን ጀርመን ዶ/ር ሃይኬ ሄን ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 4/2019 (ኢዜኣ)፦ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ተመራፂ ፕሬዚዳንት COP32ን ጌዲዎን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ስቴት ሴክሬታሪ ሚኒስቴር ፌዴራል ሓለዋ ከባቢ፣ ስጉምቲ ለውጢ ኣየር ንብረት፣ ሓለዋ ተፈጥሮን ድሕንነት ኒውክሌርን ጀርመን ዶ/ር ሃይኬ ሄን ዘትዮም፡፡
ጎኒ ንጎኒ ኣብ ቱርክዬ ከተማ ኣንታሊያ እናተኻየደ ዝርከብ ጉባኤ COP31 ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ተመራፂ ፕሬዚዳንት COP32ን ጌዲዎን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ስቴት ሴክሬታሪ ሚኒስቴር ፌዴራል ሓለዋ ከባቢ፣ ስጉምቲ ለውጢ ኣየር ንብረት፣ ሓለዋ ተፈጥሮን ድሕንነት ኒውክሌርን ጀርመን ዶ/ር ሃይኬ ሄን ኣብ ምጥንኻር ምትሕብባር ኢትዮጵያን ጀርመንን ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ስጉምቲ ሓለዋ ለውጢ ኣየር ንብረት ኣብ ምሕያል ዘተኮረ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም።