ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪየ ረጀብ ጣይብ ኤርዶጋን ዝገበርዎ ዘተ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ዘኽእል ፅቡቕ ኣጋጣሚ ፈጢሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪየ ረጀብ ጣይብ ኤርዶጋን ዝገበርዎ ዘተ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ዘኽእል ፅቡቕ ኣጋጣሚ ፈጢሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 4/2019 (ኢዜኣ)፦ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪየ ረጀብ ጣይብ ኤርዶጋን ዝገበርዎ ዘተ፣ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ዘኽእል ፅቡቕ ኣጋጣሚ ምፍጣሩ ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን።
መበል 31 ጉባኤ ለውጢ ኣየር ንብረት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ 31) ኣብ ቱርኪዬ ከተማ ኣንታሊያ እናተኻየደ ይርከብ።
ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኮፕ 31 ዘሳለጥዎም ዓበይትን ዘርፈ ብዙሕን ተግባራት፣ ከምኡ’ውን እታ ሃገር ኮፕ 32 ንምትእንጋድ እትገብሮ ዘላ ቅድመ ምድላውን ኣብዚ ከይዲ ዝሳለጥ ሃገራዊ ምህናፅ ምስልን ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን።
ናይ ቀዳማይ ሚኒስትርፕሬስ ሴክሬታሪ ቢልለኔ ስዩም ከምዝገለፅኦ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ቱርኪዬ ፃንሒቶም ምስ ፕሬዚዳንት ረጀብ ጣይብ ኤርዶጋን ብዝገበርዎ ክልተኣዊ ዘተ ምጅማሮም ኣዘኻኺረን።
ኢትዮጵያን ቱርኪዬን ብዲፕሎማሲ፣ ብኢኮኖሚን ብዝተፈላለዩ ዓውድታትን ነዊሕ ዘመናት ዘቑፀረ ታሪኽ ምትሕብባርን ምትእስሳርን ከምዘለወን ገሊፀን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቱርኪዬ ዑደት ስራሕ ምግባሮምን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ምስታፎምን ኣመላኺተን።
ዝሓለፈ ዓመት ፕሬዚዳንት ቱርኪዬ ረጀብ ጣይብ ኤርዶጋን ምስ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ፣ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ዘተታት ከምዝተገበሩ እውን ኣልዒለን።
ኣብ ቱርኪዬ ኣንታሊያ ዝተኻየደ ክልተኣዊ ዘተ፣ ቅድሚ ሐዚ ዝተዘራረቡሎም ጉዳያት ዝበፅሕዎ ብርኪ ንምፍታሽ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝነበረ ኣመልኺተን።
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዝመፅእ ዓመት እተተኣናግዶ ኮፕ 32 ኣመልኪቱ ካብ ቱርኪዬ እንታይ ምምሃርን ሓገዝ ምርካብን ከምዝኽእል ሰፊሕ ዘተ ምግባሩ ሓቢረን።
ቱርኪዬ ንኢትዮጵያ ንምድላው ኮፕ 32 ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ምርግጋፃ ጠቒሰን።
ወገናት ቱርኪዬ ኣብ ዙርያ ምድላው እቲ ጉባኤ ንኢትዮጵያ ዝለዓለ ክብሪ ብምሃብ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብሩ ብቆራፅነት ምግላፆም እተን ፕሬስ ሴክሬታሪ ኣመልኪተን።