መንግስቲ መደመር ሓይሊ ፀጥታ ዓቕሚ ምፍፃሙ ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ካብቲ ዕብየት እውን ብቐጥታ ተጠቃሚ ንክኸውን ይገብር ኣሎ - ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ መደመር ሓይሊ ፀጥታ ዓቕሚ ምፍፃሙ ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ካብቲ ዕብየት እውን ብቐጥታ ተጠቃሚ ንክኸውን ይገብር ኣሎ - ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 3/2019 (ኢዜኣ)፦ መንግስቲ መደመር ናይ ሓይሊ ጸጥታ ናይ ምፍጻም ዓቕሚ ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ካብቲ ዕብየት እውን ብቐጥታ ተጠቃሚ ንክኸውን ይገብር ምህላዉ ጠቕላሊ ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ገሊፆም።
ሎሚ ኣብ ምምሕዳር ከተማ በኬ ንልዕሊ 1 ሽሕን 600 ዝኾኑ ኣመራርሓን ኣባላትን ፖሊስ ፌዴራል ርኽክብ ቦታ መስርሒ መንበሪ ገዛ ተኻይዱ።
ጠቕላሊ ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ መንግስቲ ብኣእምሮን ብኣካልን ዝማዕበለ፣ ተልእኾኡ ብብቕዓት ዝፍፅም ሰራዊት ሃኒፁ እዩ።
ዓቕሚ ምግባር እቲ ሰራዊት ካብ ምህናፅ ጎኒ ንጎኒ ማሕበራውን ቁጠባውን ተጠቃምነቱ ንምርግጋፅ ብትኹረት ይስራሕ ምህላዉ ተዛሪቦም።
ሎሚ ኣብ ምምሕዳር ከተማ በኬ ዝተገበረ ርኽክብ ቦታ መስርሒ መንበሪ ገዛ ናይቲ ሰራዊት ድሌት መንበሪ ገዛ ኣብ ምምላእ ዓቢዪ ፋይዳ ከምዝህልዎ ብምግላፅ፣ እቲ ስጉምቲ ምስ ኩለመዳያዊ ልኡላውነት ሃገር ብቐጥታ ከምዝተኣሳሰር እውን ኣገንዚቦም።
ልኡላውነት ማለት ዶብ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ክብሪ ዜጋታት ምሕላው ሓዊሱ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ንኣካላት ፀጥታ ዝተገበረ ሓገዝ መስርሒ ቦታ ገዛ እውን ሓደ ኣካል ናይዚ መግለፂ ልኡላውነት ምዃኑ ኣብሪሆም።
እዚ ተግባር ኩለመዳያዊ ልኡላውነታ ዝተረጋገፀ፣ ክብሪ ዜጋታት ዝተሓለወላ፣ ዝፀንዐትን ኣፍራይትን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ንዝተታሕዘ ራእይ ሓደ ወሳኒ እታዎት ምዃኑ ገሊፆም።
ፖሊስ ፌዴራል ህንፀት እቶም ኣባይቲ ብቕልጡፍ ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ንክበቅዕ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ታምራት ሙሉጌታ (ዶ/ር)፤ እዚ ፍፃመ ንዩኒቨርሲቲና ዓቢዩ ምዕራፍ እዩ ኢሎም።
እዙይ ውፅኢት ሰናይ ፍቓድ መንግስቲ እቲ ክልልን ዘይሕለል ፃዕሪ እቲ ኣመራርሓን ምዃኑ እውን ብምግላፅ፣ ኣብዚ መንደር ፖሊስ ልዕሊ 1 ሽሕን 600 ኣመራርሓን ኣባላትን ፌዴራል ፖሊስ ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ነቲ ሰራዊት ኣብ ካልኦት ፍረታት ልምዓት እውን ተጠቃሚ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣመላኺቶም።
ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ሰንዳፋ በኬ ኣቢ ተፈራ ብወገኖም፤ መሰረት ሰላም ንዝኾነ ሰራዊት ፖሊስ መሬት ከነቕርብ ብምኽኣልና ሓጎስ ይስምዓና ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ጎኒ እቲ ሰራዊት ብምቛም ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊፆም።
መስርሒ ገዛ ቦታ ዝተዋህቦም ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ እውን ልኡላውነት ሃገርና፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝብና ንምኽባር ንፅዕር ኣለና ኢሎም።
መንግስቲ ነዚ ውዕለቶም ኣፍልጦን ክብርን ብምሃብ ነዚ ናይ መንበሪ ገዛ መስርሒ ቦታ ብምቕራቡ ሓጎስ ከምዝተሰምዖም ተዛሪቦም።