ኢትዮጵያ ናይ ተዓወትቲ ሃገር እያ - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ናይ ተዓወትቲ ሃገር እያ - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣብ ዳካር ሴኔጋል ውድድር ኦሎምፒክ መናእሰይ ብዓለምለኸ ሰንጠረዥ ሜዳልያታት ኣትሌቲክስ 1ይ ደረጃ ሒዝና ብምዝዛምና እንዃዕ ኣሐጎሰና!
ሃገርና ኣብ ዳካር ኣብ ዝተኻየደ ፀወታታት ኦሎምፒክ መናእሰይ ዓለም 2026 ብሉፃት ደቅና ኣብ ውድድር ኣትሌቲክስ 5 ወርቅን 3 ብሩርን ሜዳልያታት ብምዕዋት ንሃገሮም ዓወት ኣበሲሮም እዮም።
መናእሰይና ኢትዮጵያ ብኣኻትኩም ኮሪዓ እያ። ኣብ ዓውዲ ስፖርት ኣብ መንእሰያት ኣበርቲዕና እንተሰሪሕና ኣብ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን መድረኻት ናብቲ ናይ ቀደም ክብርናን ብራኸናን እንምለሰሉ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኸውን እዚ ዓወት እዚ መርኣያ እዩ።
መንግሥቲ መደመር ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ብምፍፃም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ስፖርት እናሃነፀ ይርከብ።
እዙይ ድማ ብስፖርት ዝማዕበለ፣ ብቑዕ፣ ኣፍራይን ውፅኢታውን ዜጋ ብምፍጣር ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ዘለና ክብሪ ተዓዋትነት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር፤ ስምና ዘፀውዑ ኣትሌታት ብምፍራይ ውፅኢታውነትና ብዝበለፀ ዘዕቢ ዓቢዪ መርኣያ እዩ።
ኣብ ኦሎምፒክ ዳካር ድሙቕ ውፅኢት ንክርከብ እጃምኩም ንዘበርከትኩም ኩልኹም ኣካላት ምስጋናይ እናቕረብኩ ደጊመ እንዃዕ ኣሐጎሰኩም! እንዃዕ ኣሐጎሰና!