ኢትዮጵያን ዩናይትድ ኪንግደምን ኣብ ምድላዋት ኮፕ 32ን ጉዳያት ለውጢ ኣየር ንብረትን ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 3/2019 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያን ዩናይትድ ኪንግደምን ኣብ ምድላዋት ኮፕ 32ን ጉዳያት ለውጢ ኣየር ንብረትን ብሓባር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን።

መበል 31 ጉባኤ ለውጢ ንብረት ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ቱርኪዬ ከተማ ኣንታሊያ ይካየድ ኣሎ።

“ጉዕዞ ናብ ዘላቒ፣ ጠንካራን ፍትሓዊነት ዝተረጋገፀሉን መፃኢ ዘመን” መሪሕ ቃል እቲ ጉባኤ እዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ተመራፂ ፕሬዚዳንት ኮፕ 32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ከምኡ እውን ሚኒስትር ገንዘብን ዋና ተደራዳሪ ኮፕ 32ን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ጎኒ ንጎኒ  እቲ ጉባኤ ምስ ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ኪንግደም ኤድ ሚሊባንድ ተዛትዮም።

ኣብዚ እዋን ተመራፂ ፕሬዚዳንት ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ንብረት ኣየር እተካይዶም ዘላ ተግባራዊ ውጥናት ዘብርሁ እንትኾኑ፤ ንለውጢ ንብረት ኣየር መንቀሊ ዝኾኑ ልቀታት ምቕናስ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣፅንኦት ሂቦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ኪንግደም ኤድ ሚሊባንድ ብወገኖም ልቀት በካሊ ጋዝ ምቕናስ ንብድሆታት ለውጢ ኣየር ንብረት ንምፍታሕ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም።


ዩናይትድ ኪንግደም ኣብዚ ዓውዲ ምስ ኢትዮጵያ ብቐረባ ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዋ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ንምድላዋት ኮፕ 32ን ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ኢትዮጵያን ሓገዝ ንምግባር ሃገሮም ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም