ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ሃገራዊ ድሌት እዩ- ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኮትዲቯር ፓስካል ኣፊ ንጌሳን - ኢዜአ ትግርኛ
ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ሃገራዊ ድሌት እዩ- ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኮትዲቯር ፓስካል ኣፊ ንጌሳን
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 2/2019 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ፃዕሪ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ሃገራዊ ድሌት ምዃኑ ነበርን ቀዳማይ ሚኒስትር ኮትዲቯርን ፕሬዝዳንት ህዝባዊ ግንባር እታ ሃገር (FPI) ፓስካል ኣፊ ንጌሳን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ዘላቶ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፣ ታሪኻዊ ምትእስሳርን እናዓበየ ዝመፀ ኢኮኖሚያዊ ድሌትን መሰረት ብምግባር ብቀይሕ ባሕሪ ዘላቕን ዘተኣማምንን መውፅኢ ንምርካብ ዝለዓለ ፃዕሪ እናገበረት ትርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ማዕፆ ተዓፅይዋን እስረኛ ጂኦግራፊ ኮይናን ክትቅፅል ከምዘይትኽእል ምዝራቦም ይዝከር።
ብምዃኑ እውን ኢትዮጵያ ሕቶ ኣፍደገ ባሕራ ምላሽ ንክረክብ ሰላማዊ፣ ዲፕሎማሲያውን ኣብ ሕጊ ንግዲ ዝተመስረተን ኣካይዳታት ከምእትኽተል ብተደጋጋሚ ኣረጋጊፃ እያ።
ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኮትዲቯር ፓስካል ኣፊ ንጌሳን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ግቡእ ኣፍልጦ ክረክብ ከምዘለዎ ንኢዜኣ ተዛሪቦም።
ድሌት ኢትዮጵያ ነቲ ዞባ ናይ ሓባር ተጠቃሚ ብዝገብር መልክዑ ብዘተን ብስምምዕነትን ምላሽ ክረክብ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።
ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብመንፅር ሰፊሕ ጂኦፖለቲካዊ ኩነታትን ሓበራዊ መፃኢ ዕድል ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ክረአ ከምዘለዎ እውን ኣልዒሎም።
ድሌት ኢትዮጵያ ብኹሎም ወገናት ተቐባልነት ብዘለዎ መንገዲ ከምዝፍታሕ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።
ስለዝኾነ ኣብቲ ጉዳይ ዝሰከነን ሃናፅን ዘተ ክግበር ከምዝግባእ ብምጥቃስ፤ ኣፍሪካዊ መፍትሕታት ንዘላቒ ሰላምን ብልፅግናን ወሰንቲ እዮም ኢሎም።
ኣፍሪካ ክትዓቢ እትኽእል ብሓድነት እዩ፤ ሓቀኛ ሓድነት ድማ ብሓሳብን ብሃፍትን ብምክፋል ክግለፅ ይግባእ ኢሎም።
ብምዃኑ እውን ድሌት ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብመንፅር እዚ ማዕቐፍ ምርኣይ ከምዝግባእ እዮም ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኮትዲቯርን ፕሬዝዳንት ህዝባዊ ግንባር እታ ሃገር (FPI) ፓስካል ኣፊ ንጌሳን ዝተዛረቡ።