መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገራዊ ምርድዳእ ንምጥንኻር ዓቢዪ ግደ ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገራዊ ምርድዳእ ንምጥንኻር ዓቢዪ ግደ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 3/2019 (ኢዜኣ)፦ መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርድዳእ ብምጥንኻር ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዓቢዪ ግደ ከምዘለዎ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም።
መበል 21 መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ "ብብዝሑነት ዝደመቐት ብምኽክር ዝፀንዐት ስልጥንቲ ኢትዮጵያ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 29 ሕዳር 2019 ዓ/ም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ጅማ ክኽበር እዩ።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ናይዚ ዓመት መሪሕ ሓሳብ ሓባራዊ ቃል ኪዳን ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው መድረኽ ዘተ ሓባራዊ ትልምን ግንዛበን ምፍጣር ዘኽእል ትንተና መሪሕ ሓሳብን ስትራቴጂ ኮሙኒኬሽንን ኣዳልዩ ኣሎ።
ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ደስታ ሌዳሞ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሓድነት ዘዕቢ እዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ህንፀት ገዛኢ ተረኽ ክጠናኸርን ብምትሕብባር ዝማዕበለት ሃገር ጋህዲ ንምግባርን የኽእል ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ምልኣተ ህዝቢ ብንቕሓት ዘሳትፍ ምዃኑ ብምልዓል፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ንዕዉትነቱ ሓበሬታ ተበፃሒ ኣብ ምግባር ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎም ገሊፆም።
ስለዝኾነ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ሓበሬታ ተመስሪቶም ንህዝቢ ተበጣሕቲ ብምዃን ግደኦም ንክዋፅኡ ሓቲቶም።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዘዳለዎ መድረኽ ትንተና መሪሕ ቃልን ስትራቴጂ ኮሙኒኬሽንን ንተዋሳእቲ ዓውዲ መራኸብቲ ሓፋሽን ኮሙኒኬሽንን ተወሳኺ እታዎት ዝህብ ምዃኑ ገሊፆም።