ኢትዮጵያን ባንክ ኢንቨስትመንት ኢንፍራስትራክቸር ኤስያን  ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም

 ኢትዮጵያን ባንክ ኢንቨስትመንት ኢንፍራስትራክቸር ኤስያን ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 2/2019 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያን ባንክ ኢንቨስትመንት ኢንፍራስትራክቸር ኤስያን ሽርኽነታዊ ስራሕቲ ንምቕፃል ዝዓለመ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም።

መበል 31 ጉባኤ ለውጢ ኣየር ንብረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቱርኪዬ ኣንታሊያ ይካየድ ኣሎ።

“ጉዕዞ ናብ ዘላቒ፣ ጠንካራን ፍትሓዊነትን ዝተረጋገፀላ መፃኢ ዘመን” መሪሕ ቃል ናይቲ ጉባኤ እዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ተመራፂ ፕሬዚዳንት COP32 ጌዲዎን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ከምኡ'ውን ሚኒስትር ፋይናንስን ዋና ተደራዳሪ COP32 ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ጎኒ ንጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ፕሬዚዳንት ባንክ ኢንቨስትመንት ኢንፍራስትራክቸር ኤስያ (AIIB) ዞ ጂያይ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም።

እቲ ዘተ ስራሕቲ ምሕዝነት ንምቕፃል ዝዓለመ እዩ።

ቅድሚ ሐዚ ተጀሚሩ ዝነበረ ህንፀት ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ፋይናንስ ንምግባር ዝነበረ ዘተ ንምቕፃል፣ ናይ ነዊሕ እዋን ሓቢርካ ምስራሕን ካልኦት ፕሮጀክታት ንመቕራፅን መኺሮም።

ከምኡ'ውን ኢትዮጵያ እተዳልዎ ኮፕ 32 ንምድጋፍ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት እውን ዘተ ኣካይዶም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም