ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቦትስዋና ዱማ ጌዲዮን ቦኮ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 2/2019 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቦትስዋና ዱማ ጌዲዮን ቦኮ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ጎና ጎኒ ጉባኤ መራሕቲ COP31 ምስ ፕሬዚዳንት ቦትስዋና ዱማ ጌዲዮን ቦኮ ዘቲና ኢሎም።
ኣብ ዘትኦም እውን ክልቲአን ሃገራት ዘንፀላለወን ሓባራዊ ፈተና ለውጢ ክሌማን ዝወስድኦም ዘለዋ ምላሻትን ሓዊሱ ኣብ COP32 ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር፣ጠንካራ ኣጀንዳ ክሌማ ኣፍሪካ ንምቕፃል ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ሰፋሕቲ ክልቲኣዊ ዓውድታት ምትሕብባር ከም ዝዘተዩ ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም