ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ፋውንዴሽን ፈንድ ኢንቨስትመንት ህፃናት ኬት ሃምፕተን ዘትየን - ኢዜአ ትግርኛ
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ፋውንዴሽን ፈንድ ኢንቨስትመንት ህፃናት ኬት ሃምፕተን ዘትየን
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 2/2019 (ኢዜኣ) ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ፋውንዴሽን ፈንድ ኢንቨስትመንት ህፃናት(CIFF) ኬት ሃምፕተን ዘትየን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ሎሚ ጎና ጎኒ መድረኽ COP31 ምስ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ፋውንዴሽን ፈንድ ኢንቨስትመንት ህፃናት ኬት ሃምፕተን ሃናፂ ዘተ ገይርና ኢለን።
ኣብ ዘተአን፤ ኢትዮጵያ ኣሰናዳኢት COP32 ስለ ዝኾነት ኣብ ዕድላት ምትሕብባር ከምኡ እውን ኣብ ኣጠቓቕማን ኣተሓሕዛን ጎሓፍ፣መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ምፅዋር ለውጢ ክሌማን ምጥንኻር ምትሕብባር ከተማታትን ዘቲና ክብላ ገሊፀን።
ዘላቒ፣ሓምለዋይን ሓቛፍን ልምዓት ንምርግጋፅ ዘለና ምትሕብባር ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ብምቕያር ንናይ ሎምን መፃእን ወለዶ ዝሓሸትን ዘላቒትን ከተማ ንምህናፅ ብቆራፅነት ክንሰርሕ ኢና ክብላ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።