ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ህፁፅ ሓገዝ ምብፃሕን ቀንዲ ዕማማት በዓል ሓደራ ምምሕዳር እዩ-ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 2/2019 (ኢዜኣ) ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ህፁፅ ሓገዝ ምብፃሕን ቀንዲ ዕማማት በዓል ሓደራ ምምሕዳር ከም ዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ምምሕዳርን ግልጋሎት ህዝብን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ገሊፆም።

በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መጣየሺ ደንብን ፍኖተ-ካርታን እቲ ምምሕዳር ብዝምልከት ንፈፀምቲ ስራሕ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ መብርሂ ሂቡ።

ኣብቲ መድረኽ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ምምሕዳርን ግልጋሎት ህዝብን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ፤ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ምርግጋፅ፣ ግልጋሎት ህዝቢ ኣብ ምጅማር፣ ስቪል ሰራሕተኛታት ናብ ንቡር ስርሖም ኣብ ምምላስ ብትኹረት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።




ብፋላይ ኣብ ትግራይን ኣብ ሱዳንን ኣብ ዝተፈለላዩ መዕቖብታት ተመዛቢሎምን ተሰዲዶምን ዝርከቡ ተጋሩ ናብ መረበቶም ምምላስን ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ህፁፅ ሓገዝ ምብፃሕን ካብቶም ቀንዲ ዕማማት እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ከም ዝኾኑ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ብሰንኪ ኲናት ዝተሃሰየ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ህዝቢ ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ምንቅስቓስ ንግዲ ንምንቕቓሕን ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅን ኣብ ስራሕቲ ኢኮኖሚን ዳግመ ህንፀትን ብዕቱብ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብግደኦም፤ ኣብ ምርግጋፅ ፀጥታ ዝረአ ዘሎ ክፍተት ብምእራም ስራሕቲ ምምዕርራይን ምዝርጋሕ መሓውር ፀጥታን ትኹረት ዘድልዮ ዋኒን ስለ ዝኾነ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ብትኹረት ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ንቐፃሊ ዝስራሕ ስራሕቲ ንፁር ፍኖተ-ካርታ ብምውፃእ ብኲናት ዝተሃሰየ ህዝብን ዓድን ንምክሕሓስ ብትኹረት ክስራሕ ከምዘለዎ እውን እቶም ተሳተፍቲ ምግላፆም ትግራይ ሚድያ ኮርፖሬሽን ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም