ድሑር ጉጅለ ህወሓት ብፍላጥ ዘጥፈኦ ዓዲ ንምቕናዕ ኢና ንሰርሕ ዘለና-ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ብ/ጄነራል ገ/ሄር በየነ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 2/2019 (ኢዜኣ) ድሑር ጉጅለ ህወሓት ብፍላጥ ዘጥፈኦ ዓዲ ንምቕናዕ ኢና ንሰርሕ ዘለና ክብሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ብ/ጄነራል ገ/ሄር በየነ(ወዲ ኣንጥሩ) ገሊፆም።

ኣብ ፍኖተ ካርታ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጠመተ ዝገበረ ምስ ካብ 16 ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝመፁ ኮሚቴታት ምሕደራ ኣብ ከተማ ዓዲግራት መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ፤ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን እቲ ምምሕዳር ብ/ጄነራል ገ/ሄር በየነ ከምኡ ’ውን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ኢኮኖሚን ዳግመ ህንፀትን ቴድሮስ ኣረጋይ(ዶ/ር) ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ መዛዘሚ ሓሳብ ዘቕረቡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ብ/ጄነራል ገ/ሄር በየነ(ወዲ ኣንጥሩ)፤ ድሑር ጉጅለ ህወሓት ከም ዘይምለስ ስለዝፈለጠ ንትግራይ ኣጥፊኡዋ ምኻዱን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ዝዓነዉ ኣብያተ ፅሕፈት ሒዙ ናብ ስራሕ ምእታዉን ኣብሪሆም።

ፀገማት ሕብረተሰብ ንምቅላልን ጠለባቱ ንምምላእን ከም ዝስራሕ ብምግላፅ፤ ንዕውትነት እቶም ዕማማት ክሳብ ጣብያ ዘሎ መሓውር እቲ ምምሕዳር ብዕቱብ ንክሰርሕ ኣተሓሳሲቦም።


“እቲ ድሑር ጉጅለ ብፍላጥ ዘጥፈኦ ዓዲ ኢና ነቃንዕ ዘለና’’ ዝበሉ ብ/ጄነራል ገ/ሄር፤ ኩነታት ምሕደራን ፀጥታን ትግራይ ንምምሕያሽ ዝተወደበ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ኣውራን ወሳንን ምዃኑ ኣገንዚቦም።

“እቶም ኣብ ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግመ ፅንበራን ዝሕቆፉ ዕጡቓት ናይ ባዕልና እዮም’’ ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ ከይዲ ዳግመ ምጥያሽ (Reintegration) እቶም ወገናት ማሕበራዊ ህይወቶም ብዘመዓራሪ መልክዑ ከም ዝካየድ ኣረጋጊፆም።

ሰብ ሃፍትን ነጋዶን ትግራይ ብሰናይ ድሌት ህዝቢ ንዝመፀ ለውጢ ንክድግፉን መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ንሰላም ንክሰርሑን እውን ኣተሓሳሲቦም።

ዋና ፈፃሚ ጉዳያት ኢኮኖሚን ዳግመ ህንፀትን ቴድሮስ ኣረጋይ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ምምሕዳር ዲሞክራሲ ንምስሳን፣ ኢኮኖሚ ትግራይ ንምሕዋይ፣ ኣእምሮኣዊ መጉዳእቲ ሕብረተሰብ ንምፍዋስን ኣጠቕቕማ ፀጋታት ተፈጥሮ ንምምዕባልን ከም ዝሰርሐ ኣፍሊጦም።

በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ህዝብን መንግስትን ዝተውሃቦ ሓደራ ንምዕዋት ህዝባዊ ኣገልግሎት ብቕልጡፍ ንምስሳይን ብደገፍ ቴክኖሎጂ ስራሕቲ ኣብያተ ዕዮ ንስላጥን ከም ዝነጥፍ እውን ኣረጋጊፆም።

ካብ 16 ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝመፁ ተሳተፍቲ ብወገኖም፤ ቀንዲ ውራያት እቲ ምምሕዳር ንቕድሚት ዘሰጉሙን ንጠለባት ሕብረተሰብ ዝምልከቱን ሓሳባት ኣልዒሎም።

እቶም ተሳተፍቲ፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቅልጡፍ ንክባፃሕ፣ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንክኽፈልን ሳዕቤናት ድርቂ ንምንካይ ቆላሕታ ንክግበርን ፀዊዖም።

ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ድሕሪ ምፍትሖም ግቡእ ምትካል እግሪ ንክካየደሎምን ሃዋህው ፀጥታ እቲ ዞባ ኣቓልቦ ንክረክብን እውን ሓቲቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም