ጎና ጎኒ ኣብ COP31 ኣብ ኣንታሊያ ዝካየዱ ምድላዋት ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያን ተመራፂ ፕሬዚዳንት COP32ን ጌዲዎን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣቦ መንበር ጉጅለ ድርድር ኣፍሪካ (AGN) ዶ/ር አንትዊ-ቦአሲያኮ አሞአ ክልቲኣዊ ዘተ ገይሮም።


እቲ ዘተ፤ ንሃገራት ኣፍሪካ ቀዳምነት ኣብ ዝወሃቦም ጉዳያት ማለት እውን መዋደዲ ለውጢ ክሌማ (adaptation)፣ፋይናንስ ለውጢ ክሌማ፣ፍትሓዊ ስግግር(just transition)ን ተግባራዊነትን ጠመተ ዝገበረ እዩ።
 
ብተወሳኺ እውን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ትግበራ ብብሄራዊ ዝተወሰኑ ኣስተዋፅኦታተን(NDCs)ን ኣብ ብሄራዊ መዋደዲ ትለመን(NAPs)ን ዝበለፀ ደገፍ ንክረኽባ ከምኡ እውን ስጉምትታት ለውጢ ክሌማ ቀዳምነታት ልምዓት ኣፍሪካ ንክምልሱ ዘለዎ ኣድላይነት ዘትዮም።
 
ተመራፂ ፕሬዚዳንት COP32 ጌዲዎን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ንምድላዋት COP32 እናተጠናኽሩ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ኢትዮጵያ ምስ AGN ናይ ቐረባ ምኽክር ከም ትገብር ኣረጋጊፆም።
 

ብተወሳኺ እውን ኣብ ኣንታልያ ዝተዓወተ ውፅኢት ምምዝጋብ፣ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር ዘሎ እምነት ምጥንኻርን ካብ ቃል ኪዳናት ናብ ተግባራዊ ኣፈፃፅማ ምስግጋር ኣድላይ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
 
ኢትዮጵያ ቀዳምነታትን ኣመለኻኽታታትን ኣፍሪካ (Africa’s priorities and perspectives) ናብ COP32 ኣብ ዝግበሩ ምድላዋትን ዘተታትን ብጥንካረ ንክንፀባረቑ ምስ AGN ብቐረባ ምስርሓ ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም