መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
መንግስትን ህዝብን ቱርክዬ ንዝገበሩልና ድሙቕ ኣቀባብላ፣ ከምኡ’ውን ነቲ ዘተ ንትመርሕ ዘላ ኣውስትራሊያ ዘለኒ ዝለዓለ ምስጋና የቕርብ።
ንኢትዮጵያ ስጉምቲ ኣየር ንብረት ፤ መዓልታዊ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ፣ ዓቕሚ ምፅዋር ንምጥንኻርን ዝተመዝገቡ ዓወታት ልምዓት ዘላቒ ንምግባርን ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ ኣካል ፖሊሲ ኢኮኖሚና እዩ። ብመደመር ፍልስፍናና እናተመርሓና፣ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 56 ቢሊዮን ፈልስታት ምትካል ዝኽኣልና እንትኸውን ፣ ብተመሳሳሊ መገዲ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ዘላቒ ህንፀት ከተማን ንኣየር ንብረት ዝስማምዑ መፍትሒታትን ብሰፊሑ እናዕበና ንርከብ።
ሐዚ ካብ ቃል ኪዳን ሓሊፍና ናብ ቕልጡፍ ተግባራዊ ስጉምቲ ክንሸጋገር ይግባእ፤ እዙይ ድማ ብቐሊሉ ክርከብ ካብ ዝኽእል ፋይንናስ ኣየር ንብረት፣ ብዝበለፀ ጠንካራ ኣብ ዝኾኑ ስርዓታት ቕድመ ማጠንቀቕታን ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ማሕበረሰባት ዓቕሚ ምፅዋር ኣብ ምህናፅን ብዝግበር ዝለዓለ ኢንቨስትመንት ተግባራዊ ክግበር ኣለዎ።
ኢትዮጵያ መፃኢ ፕሬዝዳንትነት COP32 ክትረከብ እንተላ እዞም ቕድሚያ ዝወሃቦም ጉዳያት ብግንባር ቀደምትነት ኸተንጸባርቕ እያ፤ ውፅኢታዊ ስራሕ ክምዝገብ እውን ምስ COP31 ፕሬዝዳንት ብቕርበትን ብምትሕብባርን ኽትሰርሕ እያ። ከምኡ’ውን መላእ ዓለም ንጉባኤ COP32 ናብታ ምድሪ ቀዳሞት ዝኾነት ሃገር ኢትዮጵያ ንምቕባል ድሉዋት ኢና።